ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/14 ገጽ 4
  • ፍሉይ ወረቐት ዕድመ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍሉይ ወረቐት ዕድመ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ወረቐት ዕድመ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ንበዓል ዝኽሪ ንምፍላጥ ዚግበር ወፈራ፡ 1 መጋቢት ኪጅምር እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ወፈራ ወረቐት ዕድመ ኣኼባ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ወፈራ ዕድመ በዓል ዝኽሪ፡ 22 መጋቢት ኪጅምር እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 4/14 ገጽ 4

ፍሉይ ወረቐት ዕድመ

1. ንኣኼባታት ኣውራጃ ወይ ንኣህጉራዊ ኣኼባታት 2014፡ ወረቐት ዕድመ ንምዕዳል ዚግበር ወፈራ መዓስ እዩ ዚጅምር፧

ንፈተውትኻ ወይ ንስድራ ቤትካ፡ ብዙሕ ጻዕርን ወጻእን ዚሓትት ፍሉይ ድግስ ንኸተዳልወሎም መደብ እንተ ኣልዩካ፡ ወረቐት ዕድመ ንኽትዕድሎም ከም እትህንጠ ፍሉጥ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 2014 ኣኼባታት ኣውራጃናን ኣህጉራዊ ኣኼባታትናን ንዚቐርብ መንፈሳዊ ድግስ ንምድላው ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃና ወይ ኣህጉራዊ ኣኼባና እንገብረሉ ዕለት፡ ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ንሰባት ናብዚ ኣኼባ እዚ ንኽንዕድሞም ፍሉይ መሰል ሂቡና ኣሎ። ነዚ ወረቐት ዕደመ እዚ፡ ብውዕዉዕ ስምዒት ንኽንዕድሎ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

2. ኣብቲ ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

2 ካብቲ የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ኣውራጃናን ኣህጉራዊ ኣኼባታትናን ዜዳልዎ መንፈሳዊ ድግስ ክሳዕ ክንደይ ከም እንጥቀም እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ኣብቲ ዚግበር ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ክንካፈል ኢና። (ኢሳ. 65:13, 14) ዓመታዊ ወፈራና ውጽኢት ከም ዘለዎ እውን ኣይንረስዕ። ገለ ኻብቶም እንዕድሞም ሰባት ምሳና ኽእከቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ናብቲ ኣኼባ ዚመጹ ሰባት ክንደይ ምዃኖም ብዘየገድስ፡ ኣብ እዋን እቲ ወፈራ እንገብሮ ጻዕሪ ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽእን ልግስናኡ ዜንጸባርቕን እዩ።—መዝ. 145:3, 7፣ ራእ. 22:17።

3. እቲ ወረቐት ዕድመ ብኸመይ እዩ ዚዝርጋሕ፧

3 ኣካል ሽማግለታት፡ ኣባላት ጉባኤኦም ነቲ ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ብስፍሓት ኪዝርግሕዎ ኸም ዘለዎም፡ ማለት ኣብቲ ሰብ ዘይረኸባሉ ኣባይቲ ኺሓድግዎ ወይ ከኣ ኣብ ክሎም ብኻልእ መገዲ ህዝባዊ ምስክርነት ብምሃብ ኪዝርግሕዎ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ኪውስኑ ኣለዎም። ኣብ ቀዳመ ሰንበት ከኣ ምስቲ ወረቐት ዕድመ መጽሔታት ኪዕደል ይከኣል እዩ። ቀዳመይቲ ቐዳም እታ ወርሒ ኣብቲ ወፈራ ዚግበረሉ መዓልታት ትውዕል እንተ ዀይና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ዘይኰነስ፡ ነቲ ወረቐት ዕድመ ኣብ ምዕዳል ክትኰር ኣለዎ። እቲ ወፈራ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብቲ ወፈራ ብውዕዉዕ ስምዒት ብምክፋልናን ንሓያሎ ሰባት ኣብቲ የሆዋ ዘዳለዎ መንፈሳዊ ድግስ ንኺሓብሩና ብምዕዳምናን ኣዚና ኽንሕጐስ ኢና።

እንታይ ኢኻ ኽትብል፧

በቲ ልሙድ መገዲ ሰላም ምስ ተባሃሃልኩም፡ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ንሰባት ናብ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣኼባ ንኽንዕድሞም፡ ብደረጃ ዓለምለኸ ፍሉይ ወፈራ ንገብር ኣሎና። ዕለትን ሰዓትን ኣድራሻን እቲ ኣኼባ ኣብዚ ወረቐት ዕድመ ሰፊሩ ኣሎ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ