ውጽኢታዊ ወፈራ
ጉባኤታት፡ ኣኼባ ኣውራጃ ቕድሚ ምጅማረን ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲመን፡ ኣብ ክለን ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ንምዕዳም ወፈራ ኺገብራ እየን። እዚ ዓመታዊ ወፈራ እዚ ዚግበረሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ። እቶም ነቲ ዕድመ ተቐቢሎም ናብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚመጹ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መደረታት፡ በቲ ብጽቡቕ እተወደበ ኽፍልታትን በቲ ምሉእ ብምሉእ ብወለንተኛታት ዚስራሕ ስራሕን፡ ከምኡውን በቲ እነርእዮ ጽቡቕ ጠባይን በቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ሓድነትን ይስሓቡ እዮም። (መዝ. 110:3፣ 133:1፣ ኢሳ. 65:13, 14) ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት እተወሰነ ርሕቐት ንኺጐዓዙ ዚግደዱሉ ኸባቢታት፡ እቲ ወፈራና ውጽኢታዊ ደዀን ይኸውን፧
ድሕሪ እቲ ብ2011 እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ካብ ሓንቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቤታ ወረቐት ዕድመ ዝረኸበት ሰበይቲ ደብዳበ በጽሖ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤታ ኺመጹ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ትሕባእ ነበረት። ከምዚ ኢላ ድማ ጸሓፈት፦ “ጽቡቕ ቤትን ንፉዕ ሰብኣይን ሕጕስቲ ኺገብረኒ ዚኽእል ኵሉ ነገርን ኣሎኒ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሕጕስቲ ኣይነበርኩን፡ ህይወተይ እውን ዕላማ ኣይነበሮን። ስለዚ፡ 320 ኪሎ ሜተር ተጓዒዘ፡ ኣብቲ ናይ ቀዳም መደብ ክካፈል ወሰንኩ።” እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኣዝዩ ዜሐጕስ ኰይኑ ኸም ዝረኸበቶ፡ ሰንበት እውን ምእንቲ ኽትካፈል ኣብኡ ኸም እትሓድር ደዊላ ንሰብኣያ ነገረቶ። “ንዅሉ እቲ ዝቐረበ መደረ ሰማዕክዎ፡ ምስ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ተራኸብኩ፣ እዚ ነገር እዚ ናይ መወዳእታ ኪኸውን የብሉን ኢለ ኸኣ ወሰንኩ” በለት። ድሕሪኡ፡ ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ኰነት። “ነታ ወረቐት ዕድመ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተይ ብምርካበይ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ፣ ከመይሲ፡ ሳላ እታ ወረቐት ዕድመ፡ ሕጂ ህይወተይ ትርጕም ዘለዎ ዀይኑ ኣሎ” በለት።
ገሊኣቶም ወረቐት ዕድመ እተቐበሉ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ኺካፈሉ እዮም። ስለዚ፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ወፈራ እዚ ብቕንኣት ተሳተፍ። ወረቐት ዕድመ እንተ ደኣ ተሪፉካ፡ ናብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ሒዝካዮ ምጻእ፡ ኣብኡ ድማ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ተጠቐመሉ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ክንዕድል ኢና፧
ንኽልና ምእንቲ ኽንሽፍኖ፡ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ኽንጥቀም ኣሎና። ከምዚ ዚስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና፦ “ሰላም። ብደረጃ ዓለምለኸ ነዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ ንዕድል ኣሎና። ንዓኻ ኸኣ ክንህበካ። ኣብዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ።” ውዕዉዕ ስምዒት ኣንጸባርቕ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ወረቐት ዕድመ ኺዕደል ከሎ፡ ዚጥዕም እንተ ዀይኑ፡ መጽሔታት እውን ምስኡ ኺዕደል ኣለዎ።