ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 27 ሚያዝያ 2015 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
ብተኣማንነት ተደሪኽካ እትርአ ፍቕሪ፡ እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እያ፧ ብፍላይ ኣበየናይ መዳያት ህይወትና ኢናኸ ኸነንጸባርቓ እተድልየና፧ (ሩት 1:16, 17) [2 መጋ.፡ w12 1/7 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 6]
ሩት፡ “ደጊ ሰበይቲ” ኽትብሃል ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ (ሩት 3:11) [2 መጋ.፡ w12 1/10 ገጽ 23 ሕ.ጽ. 1]
ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ካብ ኣብነት ሃና ኽንጥቀም እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧ (1 ሳሙኤል 1:16-18) [9 መጋ.፡ w07 15/3 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 4-5]
እቲ ቘልዓ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዓቢ ኸሎ’፡ ካብ ሕማቕ ኣብነት ደቂ ኤሊ ዘዕቈቦ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (1 ሳሙኤል 2:21) [9 መጋ.፡ w10 1/10 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 2-3]
ካብቲ ሳኦል፡ ገሊኦም “ደቂ ብልያል” ንንግስናኡ ምስ ነጸጉ፡ ብታህዋኽ ስጕምቲ ብዘይምውሳዱ ዝገደፎ ኣብነት፡ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧ (1 ሳሙኤል 10:22, 27) [23 መጋ.፡ w05 15/3 ገጽ 23 ሕ.ጽ. 1]
ካብቲ ሳኦል፡ ተኣዛዝነት ብመስዋእቲ ኺትካእ ከም ዚኽእል ዝነበሮ ግጉይ ኣረኣእያ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ (1 ሳሙኤል 15:22, 23) [30 መጋ.፡ w07 15/6 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 3-4]
የሆዋ፡ “ልቢ ዚርኢ” ምዃኑ ምፍላጥና፡ ዜጸናንዓና ስለምንታይ እዩ፧ (1 ሳሙኤል 16:7) [6 ሚያ.፡ w10 1/3 ገጽ 23 ሕ.ጽ. 7]
ብመሰረት ምሳሌ 1:4፡ የሆዋ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኽንጥቀመሉ ዚጽበየና፡ እንታይ ነገራት ኣሎና፧ (1 ሳሙኤል 21:12, 13) [13 ሚያ.፡ w05 15/3 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 4]
ኣቢጋይል ንዳዊትን ንሰቡን ህያባት ምሃባ፡ ንርእስነት ሰብኣያ ኣይኰነትን እትዓሉ ነይራ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (1 ሳሙኤል 25:10, 11, 18, 19) [20 ሚያ.፡ w09 1/7 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 3]
ኣቢጋይል ንዘይገበረቶ ነገር ይቕረታ ሓቲታ እያ። ካብ ኣብነታ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (1 ሳሙኤል 25:24) [20 ሚያ.፡ w02 1/11 ገጽ 5 ሕ.ጽ. 1, 4]