ኣብ ኣገልግሎት ንግዜኻ ብዝበለጸ ተጠቐመሉ
ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2014፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 1,945,487,604 ሰዓት ኣብ ኣገልግሎት ኣሕሊፎም እዮም፣ እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ንኽንከውን ከም ዝቘረጽና እዩ ዜርኢ! (መዝ. 110:3፣ 1 ቈረ. 15:58) “እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺሩ” ስለ ዘሎ፡ ነቲ ኽቡር ግዜና፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዙሓት ሰባት ንምርካብ ክንጥቀመሉ ንኽእልዶ፧—1 ቈረ. 7:29።
ኣብ ኣገልግሎት ንግዜና ብዝበለጸ ንኽንጥቀመሉ ምትዕጽጻፍ ይሓትት። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ መዳይ ኣገልግሎት ዝዀነ ይኹን ሰብ ከየዘራረብካ፡ ብቐጻሊ ሓደ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚኸውን ግዜ ዚሓልፍ እንተ ዀይኑ፡ ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኽትረክብን ከተዘራርብን ገለ ምትዕርራይ ክትገብር ትኽእልዶ፧ ኵነታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ እዩ። ይኹን እምበር፡ “ንንፋስ ከም ዚወቅዕ” ምእንቲ ኸይትኸውን፡ እዚ ዚስዕብ ርእይቶታት ንግዜኻ ብዝበለጸ ንኽትጥቀመሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 9:26።
ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ምስክርነት፦ ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኣክል፡ ኣስፋሕቲ ንኣገልግሎቶም ብልምዲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽ ኪጅምርዎ ጸኒሖም እዮም። እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ እዋን ቀትሪ ስለ ዚሰርሑ፡ ንምንታይ ኣብቲ ሓያሎ ሰባት ኣብ ቤት ዚርከቡሉን ዚዛነዩሉን ግዜ፡ ማለት ድሕሪ ቐትሪ ወይ ኣጋ ምሸት ካብ ቤት ናብ ቤት ክትሰብኽ ዘይትፍትን፧ ኣብ እዋን ቀትሪ፡ እቲ ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ዚግበር ምስክርነት፡ ጽቡቕ ውጽኢት ኪርከቦ ይኽእል እዩ።
ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት፦ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ኽሊ እታ ጉባኤ ዚርከብ ኣጋር ብብዝሒ ዚንቀሳቐሱሉ ኸባቢ፡ ሰደቓታትን ዓረብያታትን ኪዳሎ ኣለዎ። (ናይ ሓምለ 2013 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 5 ርአ።) ብግህዶ ንዚግበር ምስክርነት ኣብ እተመደበ ኸባቢ፡ ብዝሒ እቶም ብኣጋር ዚንቀሳቐሱ ሰባት ምስ ዚውሕድ፡ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ፡ እቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዓረብያታትን ሰደቓታትን ናብቲ ኣጋር ብብዝሒ ዚንቀሳቐሱሉ ኸባቢ ንኺግዕዝ ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም።
ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን፦ ነቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሎምን ሰባት፡ ኣብቲ ኻልእ መዳያት ኣገልግሎት ውጽኢታዊ ዘይኰነሉ ግዜ መደብ ክትገብረሎም ትኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ምስክርነት ጽቡቕ ውጽኢት ዚርከቦ ቐዳም ንግሆ እንተ ዀይኑ፡ እቲ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስካ፡ ድሕሪ ቐትሪ ወይ ኣጋ ምሸት ክትገብሮ ትኽእልዶ፧ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ምእንቲ ኺዓምሙ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ኸለዉ፡ ነቶም ኣብ ሓደ ኸባቢ ዚነብሩ ተመሃሮኦም ኣብ ሓደ እዋን ንኺበጽሕዎም መደብ ኪገብሩ ይኽእሉዶ፧
ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ሰዓታት ክንምዝግቦ ንኽእል እኳ እንተዀንና፡ ኣፍረይቲ ምስ እንኸውን ጥራይ እዩ ሓጐስና ዚውስኽ። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ሓደ መዳይ ኣገልግሎት ውጽኢታዊ ዀይኑ እንተ ዘይረኺብካዮ፡ ካልእ መዳይ ኣገልግሎት ፈትን። ኣብ ኣገልግሎት ንግዜኻ ብዝበለጸ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ፡ “ነቲ ጐይታ እኽሊ” ዝዀነ የሆዋ ንኺመርሓካ ለምኖ።—ማቴ. 9:38።