ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/13 ገጽ 4-6
  • ህዝባዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ሓድሽ መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ህዝባዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ሓድሽ መገዲ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብግህዶ ንዚግበር ምስክርነት ዚኸውን ባህ ዜብልን ሓድሽን ኣቀራርባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ስበኽዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣስላጢ ምስክርነት ምሃብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 7/13 ገጽ 4-6

ህዝባዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ሓድሽ መገዲ

1. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ እንታይ ኣብነት እዮም ሓዲጎም፧

1 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ጥራይ ኣይኰኑን ዚሰብኩ ነይሮም። ኣብ ህዝባዊ ቦታታት እውን ይሰብኩ ነይሮም እዮም። (ግብ. 20:20) ንኣብነት፡ ናብቲ ብዙሕ ሰብ ዚርከበሉ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ይኸዱ ነይሮም እዮም። (ግብ. 5:42) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኸሎ፡ በብመዓልቱ ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚረኽቦም ዝነበረ ሰባት ይሰብከሎም ነበረ። (ግብ. 17:17) ሎሚ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እንሰብከሉ ቐንዲ መገዲ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ደው መበሊ ማካይንን ኣብ ቦታታት ንግድን ኣብ መናፈሻታትን ኣብ ሰብ ዚበዝሓሉ ጐደናታትን፡ ኰታስ ሰባት ኪርከቡሉ ኣብ ዚኽእሉ ዝዀን ይኹን ቦታ ንሰብኽ ኢና። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ብእተኻእሎ መጠን ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ኪካፈል ዚተባባዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ ግና ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብቲ ህዝባዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ኽልተ ሓድሽ መገድታት ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም።

2. ኣብ ሕዳር 2011 እንታይ ሓድሽ መገዲ ምስክርነት እዩ ንፈተነ ተባሂሉ ተጀሚሩ፧

2 ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ምስክርነት፦ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2013፡ ኣብ ገጽ 16, 17 እተገልጸ፡ ኣብ ሕዳር 2011 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ፡ ህዝባዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ሓድሽ መገዲ ንፈተነ ተባሂሉ ተጀሚሩ ነይሩ። ዚስሕብ ስእልታትን ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተዳለወ ጽሑፋትን ዘለዎ ሰደቓታትን ዓረብያታትን፡ ኣብቲ ኣጋር ዚበዝሖ ኽፋል እታ ኸተማ ተቐሚጡ ነይሩ። በቲ ቦታ እቲ፡ በብመዓልቱ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ እንተላይ እቶም ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኣትውዎ ዘይክእሉ ኣባይቲ ዚነብሩን ኣብ ቤቶም ዘይርከቡን ሰባት ብእግሮም ይሓልፉ እዮም። ኣዝዩ ዜደንቕ ውጽኢት ከኣ እዩ ተረኺቡ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ፡ 3,797 መጽሔታትን 7,986 መጻሕፍትን ተበርኪቱ እዩ። ብዙሓት ሓለፍቲ መገዲ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ሓቲቶም እዮም። ቀንዲ ኣትኵሮ እቲ ዕዮ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ስለ ዝዀነ፡ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣድራሻኦም ምስ ዚህቡ፡ ውዓል ሕደር ከይበልካ እቲ ኣድራሻ ናብቲ ነቲ ተገዳሲ ሰብ ኪከታተሎ ዚኽእል ጉባኤ እዩ ዚለኣኽ።

3. እቲ ንፈተነ ተባሂሉ እተጀመረ ሓድሽ ዓይነት ምስክርነት ዚሰፍሕ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

3 እቲ ንፈተነ ተባሂሉ እተጀመረ ሓድሽ ዓይነት ምስክርነት ዕዉት ስለ ዝዀነ፡ ናብ ካልኦት ዓበይቲ ኸተማታት እውን ከም ዚሰፍሕ ይግበር ኣሎ። ኣየኖት ከተማታት ኪጥቀማ ኸም ዚኽእላ ዚውስና፡ ኣብ ከከባቢኡ ዘለዋ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር እየን። መብዛሕትኡ እዋን፡ እተን ዚምረጻ ኸተማታት፡ መደበራት መጓዓዝያ፡ ብዙሕ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ወይ ከኣ ብዙሓት ሰባት ብእግሮም ዚመላለሱሉ ዓበይቲ ኣፓርታማታት ዘለወን እየን። ሽዑ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣብቲ ዕዮ መን ኪካፈል ከም ዚኽእልን ተወሳኺ መምርሕን ዝሓዘ ደብዳበ ናብ ጉባኤታት ኪልእኽ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ስሩዓትን ፍሉያትን ፈለምቲ እዮም ኣብቲ ዕዮ ዚካፈሉ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ እውን ኪካፈሉ ይኽእሉ እዮም።

4. እቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ምስክርነት፡ ብኸመይ እዩ ዚዕየ፧

4 እቲ ዕዮ ምስክርነት ዚዕየየሉ መገዲ፦ እቶም ኣብዚ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ምስክርነት ዚካፈሉ ኣስፋሕቲ፡ ሓላፍ መገዲ ናብቲ መርኣዪ ጽሑፋቶም ክሳዕ ዚመጽእ ኪጽበዩ ኣለዎም። ሽዑ ነቲ ሰብ፡ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ኪወስድ ኪዕድምዎ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣብዚ ዕዮ እዚ ዚካፈሉ ፈለምቲ፡ ንዝዀነ ይኹን ዚቐርበሎም ሕቶ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሓጒሶም ኪምልሱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓላፍ መገዲ ጽሑፍ እንተ ወሲዱ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ወፈያ ምድላው ኪጠቕሱ የብሎምን። ኰይኑ ግና፡ ዕዮና ብኸመይ ከም ዚምወል እንተ ሓቲቱ፡ በቲ ኣብቲ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድራሻ ገይሩ ወፈያኡ ኺልእኽ ከም ዚኽእል ኪነግርዎ ይኽእሉ እዮም። ዚከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ “ሓደ ሰብ ናብ ቤትካ መጺኡ ኺበጽሓካ ትደሊዶ፧” ወይ ከኣ “ኣብ ርእሲ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከም እትኽእል ትፈልጥዶ፧” ኢሎም ኪሓትቱ ይኽእሉ እዮም።

5. ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ በቲ ሓድሽ መገዲ ኣገልግሎት ባህ ዜብል ተመክሮ ዝረኸቡ ብኸመይ እዮም፧

5 ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ምክፋል፡ ባህ ዜብል ተመክሮ እዩ ዚርከቦ። ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ በሉ፦ “ኣብ ጥቓ እቲ ሰደቓ ደው ኢልና በብመዓልቱ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ኪሓልፉ ኸለዉ ምርኣይና፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሰባት ንምርካብ ብዛዕባ ዚግበር ዘሎ ሰፊሕ ዕዮ ንኽንርዳእ ሓጊዙና እዩ። ነዞም ብዙሓት ሰባት ምርኣይናን የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኸመይ ከም ዚግደሰሉ ምሕሳብናን፡ ነቲ ንዕዮ ስብከት ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ንኽንህቦ ዝገበርናዮ ቘራጽነት እዩ ኣደልዲሉልና። የሆዋ ንልቢ እቶም ብጥቓ ሰደቓና ዚሓልፉ ሰባት ዚምርምሮን ነቶም ዚግብኦም ሰባት ዜናድዮምን ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ከም ሎሚ ጌርና ምስቶም ምሳና ዚዓይዩ መላእኽቲ ተቐራሪብና ኣይንፈልጥን ኢና።”

6. (ሀ) ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት፡ እንታይ ተወሳኺ መዳይ ህዝባዊ ምስክርነት እዩ ዚውደብ ዘሎ፧ ካብቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ምስክርነት ዚፍለኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጉባኤታት ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪካፈላ ኸለዋ፡ ብኸመይ እየን ኪተሓባበራ ዚኽእላ፧

6 በብጉባኤኡ ዚውደብ ህዝባዊ ምስክርነት፦ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ምስክርነት፡ ኣብ ከከባቢኡ ብዘለዉ ብዙሓት ኣካል ሽማግለታት ዚውደብ ካልእ ሓድሽ መገዲ ኣገልግሎት እውን ኣሎ። ኣስፋሕቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚንቀሳቐስ መርኣዪ ጽሑፋት ተጠቒሞም፡ ኣብ ውሽጢ ኽሊ ጉባኤኦም ኰይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ኻብቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ምስክርነት ፍልይ ዝበለ እዩ፣ ከመይሲ፡ እቶም ኣብቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ምስክርነት ዚካፈሉ ኣስፋሕቲ፡ ካብ እተፈላለያ ጉባኤታት ዝመጹ ዀይኖም፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝመረጾ ብዙሕ ሰብ ዘለዎ ቦታታት ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ።—ነታ፡ “ጽቡቕ ምትሕብባር የድሊ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

7. ሽማግለታት ነቲ ኣብ ክሎም ዚግበር ህዝባዊ ምስክርነት ኪውድብዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

7 ሽማግለታት፡ ክሊ ጉባኤኦም፡ ብዙሓት ሰባት ብእግሮም ዚጓዓዙሉ ኸባቢ ዜጠቓልል እንተ ዀይኑን ነቲ እተጠቕሰ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምውዳብ ግብራዊ እንተ ዀይኑን ኪሓስቡሉ ኣለዎም። እቲ ሰደቓ ወይ ከኣ እቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኪንቀሳቐስ ዚኽእል መርኣዪ ጽሑፋት፡ ኣብ መደበራት መጓዓዝያን ኣብ ህዝባዊ ኣደባባያትን ኣብ መናፈሻታትን ሰብ ኣብ ዚበዝሖ ጐደናታትን ኣብ ዕዳጋታትን ኣብ ሆስፒታላትን ኣብ ክሊኒካትን ኣብ ዓበይቲ ህንጻታትን ኪግበር ይከኣል እዩ። እቲ ሰደቓ ኣብ ሓደ ቦታን ኣብ ሓደ መዓልትን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜን ምስ ዚዳሎ ጥቕሚ ኣለዎ። ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዚመላለሱሉ መገዲ፡ እቲ መርኣዪ ጽሑፋት ንእሽቶ እንተ ዀነ ይምረጽ። ሽማግለታት ነቲ ንመርኣዪ ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ኰነ ንኻልእ ጽሑፋት ተባሂሉ እተዳለወ ፍሉይ ፋይላት፡ ካብ ወብ ሳይትና ኼራግፍዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ፋይላት እዚ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ህዝባዊ ምስክርነት ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ዚካፈሉ ኣስፋሕቲ፡ ዕዮኦም ምስቶም ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ኣብ ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ምስክርነት ዚካፈሉ ይመሳሰል እዩ፣ ነቲ ሓላው ኣገልግሎት ዚህቦም መምርሒ ድማ ኪስዕቡ ኣለዎም። ኣብ ክሎም ዘይነብር ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ኣድራሻኡ እንተ ሂብዎም፡ ውዓል ሕደር ከይበሉ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) ብምምላእ፡ ንጸሓፊ ጉባኤኦም ኪህብዎ ኣለዎም።

8. ሓንቲ ጉባኤ ኸምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ዓይነት ህዝባዊ ምስክርነት ክትውድብ እኳ እንተ ዘይከኣለት፡ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ክትካፈለሉ እትኽእል እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎ፧

8 ህዝባዊ ምስክርነት ኣብ ናይ ብሕቲ ኣገልግሎትካ፦ ገሊአን ጉባኤታት ኣብ ክለን፡ ብዙሓት ሰባት ብእግሮም ዚጓዓዙሉ ኸባቢ ስለ ዘይብለን፡ ሰደቓን መርኣዪ ጽሑፋትን ኪገብራ ኣየድልየንን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብተን ጉባኤታት ዘለዉ ኣስፋሕቲ፡ ናብ ብሕቲ ኣገልግሎቶም ኪገብሩ ኸለዉ፡ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ኪካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ክሊ ጉባኤኻ ዕዳጋ ኣሎዶ፧ መናፈሻ ወይ ሰባት ዚእከቡሉ ቦታኸ ኣሎዶ፧ ሰባት በብእዋኑ ዚእከቡሉ ህዝባዊ በዓላት ኣሎዶ፧ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ክትካፈል ትኽእል ኢኻ።

9. ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ቦታ ኼድና ንኽንሰብኽ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 የሆዋ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።” (1 ጢሞ. 2:4) በዚ ምኽንያት እዚ ኢና መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም እንጽዕር ዘለና። (ማቴ. 24:14) ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ንሰባት ኣብ ቤቶም ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክንረኽቦም ከለና፡ ከነዘራርቦም ንኽእል ኢና። ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስማዕ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ ዚኽእሉ፡ ብህዝባዊ ምስክርነት ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ቦታ ኼድና ብምስባኽ፡ ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ንፈጽም።—2 ጢሞ. 4:5።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

ጽቡቕ ምትሕብባር የድሊ

ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ዝመጹ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ሓደ ጐደና፡ ኣብ ሓደ ደው መበሊ ማካይን፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ ቦታ ንግዲ፡ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ መደበር መጓዓዝያ ኸም ዜገልግሉ ጸብጻብ ቀሪቡ እዩ። ካብ እተፈላለያ ጉባኤታት ዝመጹ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ሓደ መጸበዪ ኣጋይሽ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቤት ሕጽቦ ጽሑፋት ኣቐሚጦም ከይዶምን ኣብ ሓደ ቦታ ንግዲ ሰቢኾምን እዮም። እዚ ኸኣ ንሰብ ንግድን ንተቐማጦ እቲ ኸባብን ኣቘጢዕዎም እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ክንካፈል ከለና፡ ኣብ ውሽጢ ኽሊ ጉባኤና እንተ ኣገልገልና ይሓይሽ።

ኣስፋሕቲ ኣብ ክሊ እታ ጥቓኦም ዘላ ኻልእ ጉባኤ ኼገልግሉ እንተ ደልዮም፡ ንሓላው ኣገልግሎት ጉባኤኦም ኬዘራርብዎ ኣለዎም። ድሕሪኡ ንሱ ንሓላው ኣገልግሎት እታ ጉባኤ ኣዘራሪቡ ምስ ተፈቕደሉ፡ ኣስፋሕቲ ኼገልግሉ ይኽእሉ እዮም። እተፈላለየ ቛንቋታት ዚጥቀማ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ኽሊ ዜገልግላ እንተ ዀይነን፡ ሓለውቲ ኣገልግሎት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኺዘራረቡ ኣለዎም፣ ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ንጐረባብቶም ብዘየድሊ ኣየቘጥዕዎምን። ጽቡቕ ምትሕብባር እንተ ኣልዩ፡ ኵሉ ነገራት “ብኣገባብን ብስርዓትን” ኪግበር ይከኣል እዩ።—1 ቈረ. 14:40።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ