ብግህዶ ንዚግበር ምስክርነት ዚኸውን ባህ ዜብልን ሓድሽን ኣቀራርባ
1. ኣብቲ ኣጋር ዚበዝሖ ጐደናታት ዜገልግላ ጉባኤታት፡ እንታይ ኪገብራ እየን ተተባቢዐን፧
1 ኣብቲ ኣጋር ዚበዝሖ ጐደናታት ዜገልግላ ጉባኤታት፡ ጽሑፋት ዝሓዘ ሰደቓታትን ዓረብያታትን ተጠቒመን ብግህዶ ንዚግበር ምስክርነት ኪውድባ ተተባቢዐን እየን። ዓረብያ እንተ ተጠቒምና፡ እንተ ወሓደ ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ጐድኒ እታ ዓረብያ ደው ኪብል ወይ እውን ኮፍ ኪብል ይኽእል እዩ። ክልተ ኣስፋሕቲ ኸኣ ምስቲ ጽሑፋት ዝሓዘ ሰደቓ ኪዀኑ ኣለዎም። እቶም ኣብዚ ዕዮ እዚ እተመደቡ ኣስፋሕቲ፡ ፍሽሑዋትን ምቕሉላትን ኪዀኑ ኣለዎም። ሓደ ሰብ በቲ መርኣዪ ጽሑፋት ኣቓልቦኡ እንተ ተሳሒቡ፡ ሓደ ኻብቶም ኣስፋሕቲ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ እንታይ ከም ዚብል ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” ብምባል ምስኡ ዝርርብ ኪጅምር ይኽእል እዩ። ሓደ ወይ ክልተ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ድማ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት እናተሳተፉ ነቲ መርኣዪ ጽሑፋት ኪሕልውዎ ኣለዎም።
2. መርኣዪ ጽሑፋት ተጠቒምካ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ዘለዎ ውጽኢት ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።
2 እዚ ኣቀራርባ እዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምርሓሎም ብዙሓት ሰባት ንኺርከቡ ሓጊዙ እዩ። ሓንቲ ተመሃሪት ኮሌጅ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ኽትገብር ደለየት። ይኹን እምበር፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን ግና ኣብ ቀጽሪ እቲ ኮሌጅ ጽሑፋት ዝሓዘ ሰደቓ ረኣየት። ሽዑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓላ ጀመረ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ እተጠምቀት ኣስፋሒት ኰይና ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ትሳተፍ ኣላ።
3. ገሊኦም ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እዚ ብግህዶ ዚግበር ሓድሽ መዳይ ምስክርነት ከመይ ይስምዖም፧
3 ነዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ እተሓጐሰትሉ ሓንቲ ሓብቲ፡ “ገሊኦም ሰባት ካብቲ ጽሑፋት ዝሓዘ ሰደቓ እዋናዊ መጽሔታት ይወስዱ እዮም። አረ ገሊኦምሲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዖም እውን ኣይፈልጡን እዮም። በዚ መዳይ እዚ ንብዙሓት ኪምስከረሎም ከም ዚከኣል ተመኪረዮ እየ” ብምባል ተመክሮኣ ትገልጽ። ካልእ ሓብቲ ድማ፡ “እዚ ሓድሽ መዳይ ምስክርነት እዚ ባህ ዜብል እዩ፣ ከመይሲ ሰባት ባዕሎም እዮም ዚመጹኻ። ገሊኣቶም ተገዳስነት እኳ እንተ ዘየርኣዩ እንታይ ምዃኑ ንኺፈልጡ ይቐርቡ እዮም” በለት።
4. እቲ መርኣዪ ጽሑፋት፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ሓደ ቦታን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ምስ ዚዳሎ ጠቓሚ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧
4 እቲ መርኣዪ ጽሑፋት፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ሓደ ቦታን ኣብ ሕደ መዓልታትን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ምስ ዚዳሎ ጠቓሚ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሰባት ነቲ መርኣዪ ጽሑፋት ኪለምድዎ፡ ድሕሪ ግዜ ድማ ከይተሰከፉ ቐሪቦም ሕቶታት ኪሓትቱን ጽሑፋት ኪወስዱን ኪድረኹ እዮም። ጉባኤኻ ነዚ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ትጥቀመሉ ድያ፧ ትጥቀመሉ እንተ ደኣ ዀይና፡ ንስኻ እውን ኣብዚ ባህ ዜብልን ውጽኢታውን መዳይ ምስክርነት ብምስታፍ፡ ብዛዕባ “መንግስቲ ኣምላኽ ኣውጅ።”—ሉቃ. 9:60።