መደብ 17 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
17 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
Jr ምዕ. 14 ¶8-13 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 23-27 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘዳግም 25:17–26:10 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ወዲ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡን ድሕሪኡን ትሕቲ ኣቦ እዩ—td 22ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዅሕለ ምሕሊ—w12 1/12 ገጽ 24 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 21ን ጸሎትን
10 ደቒቕ፦ ናይ ሓቂ ዓርኪ ዚብሃል መን እዩ፧ ኣብታ ናይ ሓቂ ዓርኪ ዚብሃል መን እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ተመርኲስካ ዚቐርብ ምይይጥ። (ኣብ jw.org ኣቲኻ፡ ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዚርከብ BIBLE TEACHINGS > TEENAGERS ርአ።) መጀመርታ ነታ ቪድዮ ወሊዕካ ንሰማዕቲ ኣርእዮም። ብድሕሪዚ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ተመያየጡለን፦(1) ናይ ሓቂ ዓርኪ ዚብሃል መን እዩ፧ (2) ዓርክኻ ኪኸውን ካብ እትደልዮ ሰብ እንታይ ኢኻ እትጽበ፧ (3) ናይ ሓቂ ዓርኪ ኽትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (4) ዕርክነትኩም ንኺድልድል እንታይ ጻዕሪ ኽትገብር የድልየካ፧
10 ደቒቕ፦ ፍቕሪ መለለዪትና እያ። (ዮሃ. 13:35) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2014 (እንግሊዝኛ)፡ ካብ ገጽ 48፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኽሳዕ ገጽ 49፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3፣ ከምኡ እውን ካብ ገጽ 69፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኽሳዕ ገጽ 70፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “ብግህዶ ንዚግበር ምስክርነት ዚኸውን ባህ ዜብልን ሓድሽን ኣቀራርባ።” ሕቶታትን መልስታትን። ክሊ እታ ጉባኤ ኣጋር ዝበዝሖ ጐደናታት ዚሓቍፍ እንተ ዀይኑ፡ ንሓላው ኣገልግሎት ብግህዶ ብዛዕባ ዚግበር ምስክርነት፡ እታ ጉባኤ ዝገበረቶ መሰናድዎ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ።
መዝሙር 47ን ጸሎትን