መደብ 24 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
24 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 50ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
Jr ምዕ. 14 ¶14-19 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 28-31 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘዳግም 30:15-31:8 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሓድነት ኣምላኽን ክርስቶስን—td 22ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኵሕለ ምሕሊ—ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስን ክንጥቀመሉ ይግባእ—w12 1/12 ገጽ 25 ¶1–ገጽ 26 ¶7 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ “ንወብ ሳይትና ኣብ ኣገልግሎት ተጠቐመሉ—‘መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ።’” ምይይጥ። ኣብዚ ኽፋል ወብ ሳይትና ንእተመለሰ ገሊኡ ሕቶታት ጥቐስ። (ኣብ jw.org ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > BIBLE QUESTIONS ANSWERED እቶ።) ኣብቲ ዓንቀጽ ካብ ዚርከብ ርእይቶታት ንሓዲኡ ተጠቒምካ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ። ሰማዕቲ ነዚ መዳይ ምስክርነት እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብኻልእ መገድታት ብኸመይ ኪጥቀምሉ ኸም ዚኽእሉ ሓሳብ ንኺህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “ኣብ ቤቱ ኽረኽቦ ኣይከኣልኩን!” ምይይጥ። ኣብ ቤቱ ኽንረኽቦ ንዘይከኣልና ሰብ ከይተሓለልና ኽንከዶ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ኣጕልሕ።—ማቴ. 28:19, 20፣ ማር. 4:14, 15፣ 1 ቈረ. 3:6።
10 ደቒቕ፦ “ሓዳስ ንዋት ምርምር።” መደረ። ነቲ ኣብ መእተዊ እታ መሐበሪ ምርምር ዚርከብ “ንምርምርካ ብኸመይ ከም እትጅምሮ” ዚብል መምርሒ ኸልስ። እተፈላለየ መዳያት እዛ ሓዳስ ንዋት ኣጕልሕ። ሓደ ኣስፋሒ መሐበሪ ምርምር እናተጠቕመ ምስ ነብሱ ኺዛረብ ከሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 11ን ጸሎትን