መደብ 1 መስከረም እትጅምር ሰሙን
1 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 46ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 11 ¶9-14 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 17-21 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 17:1-13 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኵነታት ምዉታት—td 18ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ልክዕነት መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት—bsi08-1 ገጽ 15 ¶5-8 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ መስከረም ዚዕደል መጽሔታት። ምይይጥ። ነቲ ኣብዚ ገጽ እዚ ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ እተን መጽሔታት ብኸመይ ኪዕደላ ኸም ዚኽእላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ድሕሪኡ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣቀራርባ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ተመያየጡላ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ምይይጥ። ኣስፋሕቲ ኻብቲ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ” ዚብል ክፋል ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ኺገልጹ ዓድሞም። ሰማዕቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተቢዕካ ምዝራብ ዘለዎ ብድሆታት፡ ናይ ብሕቶም ተመክሮታት ኬዘንትዉ ሕተቶም። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት ብኸመይ እዮም ኪሰግርዎ ኽኢሎም፧
10 ደቒቕ፦ ንፍሉይ ወፈራና ዚምልከት ጸብጻብ። ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ መደረ። ወትሩ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ዘለዎ ኣገዳስነት ብዚምልከት ኣብዛ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኻብ ዝቐረበ ሓሳባት፡ ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት፡ ጽሙቕ ኣቢልካ ጥቐስ። እታ ጉባኤ ነቲ መምርሒ ብኸመይ ተቐቢላቶ፧ ኣብ እዋን እቲ ወፈራ ኻብ እተዓምመ ዕዮ ገለ ጕሉሕ ነጥብታት እንታይ እዩ ነይሩ፧
መዝሙር 45ን ጸሎትን