ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 25 ነሓሰ 2014 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
ዘሌዋውያን 18:3 ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ጠዋይ ኣረኣእያ ንኸይህልወና እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ (ኤፌ. 4:17-19) [7 ሓም.፡ w02 1/2 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 4]
እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:2 ዚርከብ ትእዛዝ እንታይ ይምህረና፧ ንኽንእዘዞ ኽንጽዕር ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧ [7 ሓም.፡ w09 1/7 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 5]
ካብቲ ንቕረማ ዚምልከት ጥንታዊ ሕጊ፡ ሎሚ እንታይ መሰረታዊ ስርዓት ኢና እንረክብ፧ (ዘሌ. 19:9, 10) [7 ሓም.፡ w06 15/6 ገጽ 22-23 ሕ.ጽ. 13]
እቲ “ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ሕነ ምፍዳይ ዜተባብዕ ኣይኰነን ኪብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ዘሌ. 24:19, 20) [14 ሓም.፡ w09 1/9 ገጽ 22 ሕ.ጽ. 3-4]
ሓደ እስራኤላዊ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ብሓረጣ ወይ ብወለድ ኬለቅሕ ጌጋ ዚኸውን ዝነበረ፧ ግቡእ ዚኸውን ዝነበረኸ መዓስ እዩ ነይሩ፧ (ዘሌ. 25:35-37) [21 ሓም.፡ w04 15/5 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 3]
ነገዳት እስራኤል 13 ኽነሶም፡ ከም 12 ነገድ ዚጥቀሱ ስለምንታይ እዮም፧ (ዘሁ. 1:49, 50) [28 ሓም.፡ w08 1/7 ገጽ 21]
ካብቲ ኣብ ዘሁልቍ 8:25, 26 ዚርከብ ብዛዕባ ግድነታዊ ኣገልግሎት ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ንኣረጋውያን ሓልዮት ብዛዕባ ምርኣይ እንታይ ትምህርቲ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧ [11 ነሓ.፡ w04 1/8 ገጽ 25 ሕ.ጽ. 1]
እስራኤላውያን ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም፡ መጕረምረምቲ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ ንሕናኸ ኻብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ (ዘሁ. 11:4-6) [18 ነሓ.፡ w95 1/3 ገጽ 15-16 ሕ.ጽ. 10]
ካብቲ ሙሴ፡ ኤልዳድን ሜዳድን ብምንባዮም ዝመለሰሉ መገዲ፡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ዘሁ. 11:27-29) [18 ነሓ.፡ w04 1/8 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 4]
ካብቲ እስራኤላውያን “ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ” እተዋህቦም ትእዛዝ፡ እንታይ ጠቓሚ መሰረታዊ ስርዓት ክንመሃር ንኽእል፧ (ዘሁ. 15:37-39) [25 ነሓ.፡ w04 1/8 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 8]