ሚእቲ ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ! 1914-2014
ብ1922 ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ብትብዓት፡ “ርኣዩ፡ እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! . . . ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስቱን ኣውጁ” በለ። እቲ ንሱ ዝሃቦ ምሕጽንታ፡ ነቶም ኣብዚ መበል ሚእቲ ዓመት ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እንነብር ዘሎና እውን ብውዕውዕ ስምዒት ንኽንሰብኽ የተባብዓና እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንሰባት ብወብ ሳይትና ተጠቒምና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ፡ ንወርሒ ነሓሰ ታሪኻዊት ንኽንገብራ ንጽዓር!