ሚእቲ ዓመት ዝጸንሐ ኣዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ
1. ዳርጋ ሚእቲ ዓመት ይገብር፡ ህዝቢ የሆዋ እንታይ ንኽንገብር እዩ ምትብባዕ እተዋህበና፧
1 “ርኣዩ፡ እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባኡ እትነግሩ ልኡኻት ኢኹም። ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስቱን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ።” ህዝቢ የሆዋ በዘን ዳርጋ ሚእቲ ዓመት ይገብር ሓው ራዘርፎርድ እተዛረበን ቃላት ተተባቢዕና፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ርሑቕ ቦታታትን ብስፍሓትን ኣዊጅና ኢና። እወ፡ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ንሕና እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት” ክንሰብኽ ጸኒሕና ኢና። (ቈሎ. 1:23) እሞኸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ እንታይ ጻዕርታት ኢና ኽንገብር ጸኒሕና፧ ኣብዚ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትቐውም ሚእቲ ዓመት ኪኸውን ቀሪቡሉ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባኣ ብቐጻሊ ኽንእውጅ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2. ጽሑፋትና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኬፋልጥ ዝጸንሐ ብኸመይ እዩ፧
2 ዝሓለፈ፦ ጽሑፋትና ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኣክል ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኬፋልጥ ጸኒሑ እዩ። እታ ቐንዲ መጽሔትና፡ ካብ 1939 ኣትሒዛ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ዚብል ኣርእስቲ ሒዛ ኽትወጽእ ጸኒሓ እያ። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እታ መንግስቲ እንታይ ከም እትዓምምን እያ እትገልጽ። መጽሔት ንቕሑ! እውን መንግስቲ ኣምላኽ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ ከም ዝዀነት ተጕልሕ እያ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እዘን ክልተ መጽሔታት እዚአን ኣብ ዓለም ካብ ካልእ መጽሔታት ንላዕሊ ብብዝሒ እተተርጐማን እተዘርጋሓን መጽሔታት ምዃነንሲ ዚግባእ እዩ!—ራእ. 14:6።
3. ገለ ኻብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና ሜላታት እንታይ እዩ፧
3 ህዝቢ የሆዋ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ እተፈላለየ ሜላታት ኪጥቀሙ ጸኒሖም እዮም። ፈለማ፡ መጕልሒ ድምጺ ዘለወን ማካይን፡ ፈነወ ረድዮ፡ ከምኡ እውን ተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ ተጠቒምና ኢና። እዚ ሜላታት እዚ፡ ሒደት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንሓያሎ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነብጽሓሎም ኣኽኢሉና እዩ። (መዝ. 19:4) ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ኣብ jw.org ሕታማት ከነውጽእ ጸኒሕና ኢና፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ፡ እንተላይ ዕዮና ኣብ እተኣገደለን ሃገራት ንዚነብሩ ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንእውጀሎም ኣለና።
4. ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ፡ እንታይ ፍሉይ ብልሓታት ኢና እንጥቀም፧
4 መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ፡ ካልእ ፍሉይ ብልሓታት እውን ተጠቒምና ኢና። ንኣብነት፡ ካብ መፋርቕ 1990ታት ጀሚርና፡ ኣብ ህዝባዊ መናፈሲታትን ማካይን ደው ኣብ ዚብላሉ ቦታታትን ኣብ ቦታታት ንግድን ምስክርነት ብምሃብ ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ዕዮና ንኸነስፍሖ ኽንጽዕር ጸኒሕና ኢና። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ሰባት ኣብ ዚውሕዙሉ ኽፋል ዓበይቲ ኸተማታት ህዝባዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ፍሉይ ዕዮ ወዲብና ኢና። ብተወሳኺ፡ ሓያሎ ጉባኤታት ኣብ ክለን፡ ሰባት ኣብ ዚውሕዙሉ ቦታታት፡ ኣብ ዓረብያታትን ኣብ ሰደቓታትን ጽሑፋት ብምቕማጥ ህዝባዊ ምስክርነት ይህባ ኣለዋ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኻብ ቤት ናብ እናኸድና እንገብሮ ዕዮ፡ ዓንዲ ሕቖ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ።—ግብ. 20:20።
5. ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት፡ ንመብዛሕትና እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ፧
5 ንዚመጽእ፦ ኣብ መስከረም፡ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ኪጅምር ከሎ፡ ሓያሎ ኣስፋሕቲ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኺጅምሩ እዮም። ንስኻኸ ኽትሓብሮም ትኽእልዶ፧ ስሩዕ ፈላሚ ኽትከውን እንተ ዘይክኢልካ፡ በብግዜኡ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ ፈላሚ ኹን ኣይትኹን ብዘየገድስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ኣብ ዚግበር ዕዮ፡ ምሉእ ተሳትፎ ንኺህልወካ ኢልካ ንእትኸፍሎ መስዋእትነት፡ የሆዋ ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ።—ሚል. 3:10።
6. ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ፍልይቲ ወርሒ እትኸውን ስለምንታይ እያ፧
6 መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትቐውም፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014፡ ሚእቲ ዓመት ክትገብር እያ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ እትወጽእ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እተተኵር እያ። እዛ ሕታም እዚኣ ኣብ ኢድ ብዙሓት ሰባት ከም እትበጽሕ ንምግባር፡ ዚከኣለካ ግበር። ሃየ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍና ንመንግስቲ ኣምላኽ እናተጸበና፡ ንዚሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ‘ብዛዕባኣ ነበስሮም።’—ግብ. 8:12።