መደብ 11 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
11 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 38ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 10 ¶14-19 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሁልቍ 7-9 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሁልቍ 9:9-23 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ብቛንቋታት ምዝራብ ግዝያዊ ምድላው ነበረ—td 17መ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣካን—ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ነገራት ምስራቕ፡ ዜስካሕክሕ ሳዕቤን ኣለዎ—(Smy ዛንታ 47) (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ “ሚእቲ ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ! 1914-2014” ምይይጥ። ብሸነኽ ላዕሊ ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዚርከብ ዓንቀጽ ይነበብ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዚቐርብ ክፍልታት ኣኼባ ኣገልግሎት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኬጕልሕ እዩ። ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ጉባኤ እተገብረ ምድላዋት ግለጽ።
10 ደቒቕ፦ “ነታ ብዛዕባ ወብ ሳይት እትገልጽ ሓዳስ ትራክት ተጠቐመላ።” ንትሕዝቶ እታ ትራክት ተመያየጠሉ። ሓደ ኣስፋሒ ነታ ትራክት ኬበርክታን ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኡ ተጠቒሙ ድማ ነቲ ብዓል ቤት ናብ jw.org. ኪመርሖን ከሎ ዜርኢ መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር።
15 ደቒቕ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ።” ምይይጥ። ክልተ ኣስፋሕቲ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት ብመርኣያ ኸም ዜቕርቡ ግበር፦ ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ድኳን ሪጋ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሓደ ሰብ ዜና መጽሔት እናረኣየ፡ “እዛ ዓለም እዚኣ ሕንፍሽፍሽ እያ መሊኣ ዘላ! ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ መልሲ ዘለዎ ኰይኑ ይስምዖ፣ እንተ ዀነ ግና ዅነታት እናኸፍአ እዩ ዚኸይድ ዘሎ” ይብል። እቲ ኣስፋሒ፡ ‘ገለ ነገር ክብል ኣሎኒ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ክዛረቦ ኣሎኒ’ እናበለ ምስ ነብሱ ይዛረብ። እቲ ኣስፋሒ፡ “እወ ጽቡቕ ኣሎኻ፣ ብዙሕ ሕማቕ ዜናታት እዩ ዘሎ። ነዛ ትራክት እዚ እንተ ሃብኩኻ እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ኣብዛ ትራክት እዚኣ ዚርከብ ወብ ሳይት ንሓያሎ ኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት፡ መልሲ ንኽረኽበሉ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል። እቲ ኣስፋሒ ኻብታ ትራክት ንሓንቲ ነጥቢ የጕልሕ፡ እቲ ሰብ ድማ ተገዳስነት የርኢ።
መዝሙር 47ን ጸሎትን