12 ግንቦት እትጅምር ሰሙን መደብ
12 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 49ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 6 ¶13-18፡ ኣብ ገጽ 74 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 27-29 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 29:19-30 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ምትሕውዋስ፡ ኣምላኽ ዚፈትዎ መገዲ ኣይኰነን—td 13ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣብርሃም—ናይ እምነት ሰብ—w12 1/1 ገጽ 5 ¶1–ገጽ 6 ¶4 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
15 ደቒቕ፦ ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። (ኢሳ. 2:2) ንኽልተ ኣስፋሕቲ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም፣ እቲ ሓደ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሓቂ ዝጸንሐ፡ እቲ ሓደ ድማ ብተዛማዲ ሓድሽ ዝዀነ። ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ንኼሕድሩ ዝደረኾም እንታይ እዩ ነይሩ፧ እንታይ ኪሰግርዎ ዝነበሮም ብድሆታት ኣጋጢምዎም፧ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ኣብ እተኣከቡሉ እዋን ዝሰሓቦም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ብዛዕባ እቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት እተኻፈሉሉ እዋን እንታይ ይዝክሩ፧ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብሩ ኻልኦት ኣባላት ጉባኤ ዝሓገዝዎም ብኸመይ እዮም፧
15 ደቒቕ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—መእተዊ ብኸመይ ከም እትዳሎ።” ምይይጥ። ክልተ ኽፋል ዘለዎ ሓጺር መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር። ፈለማ ግቡእ ምድላው ዘይተገብረሉ መእተዊ ኣርኢ፡ ድሕሪኡ ድማ ግቡእ ምድላው እተገብረሉ መእተዊ ኣርኢ። ግዜ ዜፍቅደልካ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ካብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ገጽ 215-219 ዚሰማማዕ ነጥብታት ወሲኽካ ኣቕርብ።
መዝሙር 20ን ጸሎትን