ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—መእተዊ ብኸመይ ከም እትዳሎ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መእተዊና ተገዳስነት ዘየለዓዕል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ምስክርነት ቅድሚ ምሃብና፡ እቲ ብዓል ቤት ነቲ ዝርርብ ኬቋርጾ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ መእተዊና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል ኣቀራርባና እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትናን ኣብታ ሪዝኒንግ እትብሃል መጽሓፍን ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ዚርከብ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኣቀራርባና ምእንቲ ኽንተዓጻጸፍ፡ ኵሉ ግዜ ምሉእ መእተዊ ኣየጠቓልልን እዩ። ዋላ እውን ሓደ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ምሉእ እንተ ዀነ፡ ኣስፋሕቲ ኪቕይርዎ ወይ ናይ ገዛእ ርእሶም መእተዊ ንኼዳልዉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ሓደ ብዓል ቤት ማዕጾ ምስ ከፈተልና ዝመጸልና ቓላት ኣብ ክንዲ እንዛረብ፡ መእተዊና ብጥንቃቐ እንተ ደኣ ተዳሊና፡ ውጽኢታውያን ክንከውን ኢና።—ምሳ. 15:28።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
መእተዊ ብኸመይ ከም እትዳሎ ምእንቲ ኽትለማመድ፡ ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት ግዜ መድብ።
ኣብ ኣገልግሎት ከለኻ፡ እንታይ ክትብል ከም ዝሓሰብካ ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ኣካፍሎም። (ምሳ. 27:17) መእተዊኻ ውጽኢታዊ እንተ ዘይኰይኑ፡ ቀይሮ።