ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ብዛዕባ ሓንቲ ባህ እትብል ሕቶ ኸነመያይጠካ ኢና መጺእና። [ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 1 ግንቦት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ዘላ ቐዳመይቲ ሕቶ ኣርእዮ።] ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ መልሲ ተጸበ። ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግንቦት
“ሓያሎ ሰባት ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚጽበዮም ስለ ዜገድሶም ኢና ንሰባት ንበጽሖም ዘለና። ብዛዕባ መጻኢ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ከመይ ይስምዓካ፧ ትተኣማመንዶ ወይስ ትጭነቕ ኢኻ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ንሓንቲ ኻብተን ኣብ ገጽ 7 ተጠቒሰን ዘለዋ ጥቕስታት ኣንብበሉ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንገለ ኻብቲ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም እተዛረበሉ ነገራትን ከም ዚፍጸም ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእልን ትገልጽ።”
ንቕሑ! ግንቦት
“ሰባት ንዘለዎም ጭንቀት ብኸመይ ኪቈጻጸርዎ ኸም ዚኽእሉ ንምሕጋዝ ኢና እንበጽሖም ዘለና። ሰባት ካብ ቀዳም ብዝያዳ ሎሚ ኣዝዮም እተጨነቑ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ፡ ጭንቀቶም ንምቍጽጻር ሓጋዚ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ሓደ ኣብነት እስከ ኸርእየካ። [ማቴዎስ 6:34 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ልሙድ ዝዀነ ኣርባዕተ ጠንቅታት ጭንቀት ንኽንቈጻጸሮ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ትገልጽ።”
መዘኻኸሪ፦ እዛ ሕታም እዚኣ፡ ብፍላይ ንነጋዶ ኽትስሕቦም ትኽእል እያ።