ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/14 ገጽ 4
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 5/14 ገጽ 4

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦

“ብዛዕባ ሓንቲ ባህ እትብል ሕቶ ኸነመያይጠካ ኢና መጺእና። [ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 1 ሰነ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዘላ ቐዳመይቲ ሕቶ ኣርእዮ።] ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧” መልሲ ተጸበ። ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።

ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ

“ምትካኽ ሽጋራ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ዳርጋ 6,000,000 ዚዀኑ ሰባት ይቐትል። ነዚ ለብዒ እዚ ንምንካይ ገለ ነገር ኪግበር ዚከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓያሎ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ምስ ሓሰቡሉ፡ ንምትካኽ ሽጋራ ኼቋርጽዎ ኽኢሎም እዮም። ንኣብነት፡ እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ንገሊኦም ሰባት፡ ምትካኽ ሽጋራ ንኻልኦት ብኸመይ ኪጐድኦም ከም ዚኽእል ንኺሓስቡ ሓጊዛቶም እያ። [1 ቈረንቶስ 10:24 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ሓደ ሰብ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምትካኽ ሽጋራ ዘለዎ ኣረኣእያ ምስ ዜስተንትነሉ፡ ንምትካኽ ሽጋራ ንኺሓድጎ ኺድረኽ ከም ዚኽእል ትገልጽ።”

ንቕሑ! ሰነ

“ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዙሓት ከም ኣዕሩኽ ጌርካ ዚረኣዩ ሰባት ንኼጥርዩ ኣኽኢልዎም እዩ። ሓደ ናይ ሓቂ ዓርኪ ኺህልዎ ዚግባእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህርይ እንታይ እዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ንዕርክነት ዚምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ ግብራዊ ምኽሪ ኸርእየካ። [ያእቆብ 1:19 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ካልኦት ሰባት ዓርኪ ኪዀኖም ዚደልይዎ ዓይነት ሰብ ክንከውን ዜኽእለና ኣርባዕተ ስርዓታት ትገልጽ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ