5 ግንቦት እትጅምር ሰሙን መደብ
5 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 33ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 6 ¶7-12፡ ኣብ ገጽ 73 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 23-26 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘጸኣት 25:1-22 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ናብ ኣምላኽ ንኬቕርበና ተባሂሉ ንምስልታት ዚቐርብ ኣምልኾ ኣይፍቀድን—td 12ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧—w12 1/1 ገጽ 3-4 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ግንቦት ዚዕደል መጽሔታት። ምይይጥ። መጀመርታ ኣብዚ ገጽ እዚ ኻብ ዘሎ ኽልተ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ እተን መጽሔታት ብኸመይ ኪዕደላ ኸም ዚኽእላ መርኣያ ኣቕርብ። ድሕሪኡ ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣነጺርካ ግለጾ። ካብኡ ዅሎም ምስተን መጽሔታት ኣጸቢቖም ኪላለዩን ኣብ ምዕዳል እዘን መጽሔታት ድማ ብውዕውዕ ስምዒት ኪካፈሉን ብምትብባዕ ደምድም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ምይይጥ። ኣስፋሕቲ ኻብቲ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንመገላግልትኻ ደግፎ” ዚብል ክፋል ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ኺገልጹ ዓድሞም። ጽቡቕ ተመክሮ እንተ ኣልይዎም ንኼዘንትዉ ድማ ሕተቶም።
መዝሙር 45ን ጸሎትን