መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር እትሕግዝ ሓዳስ ቪድዮ
ብዙሓት ሰባት፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ሓጻር ቪድዮ ኣብ jw.org ይርእይዋ ኣለዉ። እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዑ ኽትድርኾም ተባሂላ እያ ተዳልያ። እታ ቪድዮ ኣብ jw.org በዚ ዚስዕብ መገዲ ኽትረኽባ ትኽእል ኢኻ፦ ኣብ ትሕቲ “ቐንዲ ገጽ፡” “መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኸተጽንዕ ሕተት” ዚብል ክፋል ምረጽ ወይ ድማ ነቲ ኣብ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እተን ሓደስቲ ትራክትታትና ዘሎ ኮድ QR (ኲክ ሪስፖንስ) ስካን ግበሮ። ነታ ቪድዮ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመላ እንኽእለሉ እተወሰነ መገድታት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ።
ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ፡ ነቲ ብዓል ቤት፦ “ንዘሎካ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ መልሲ ኽትረኽበሉ ኸም እትኽእል እትገልጽ ሓጻር ቪድዮዶ ኸርእየካ፧” በሎ። እንተ ተሰማሚዑ፡ ካብ ሞባይልካ ወይ ድማ ካብ ኮምፒዩተሩ ኣርእዮ።
ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ወይ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት ኣብ እንካፈለሉ እዋን፡ ንሓንቲ ኻብተን ትራክትታትና እንተ ደኣ ኣበርኪትና፡ ነቲ እታ ትራክት ዘበርከትናሉ ሰብ፡ ነቲ ኮድ QR ብምሕባር ኣብ ሞባይሉ ስካን ገይሩ ንኺርእዮ ነተባብዓዮ። ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት፡ እቲ ኮድ QR ብቐጥታ ናብታ ኣብ ወብ ሳይትና እትርከብ ቪድዮ ስለ ዚወስድ፡ ሞባይልካ ተጠቒምካ ሽዑ ንሽዑ ነታ ቪድዮ ኽትውልዓሉ ትኽእል ኢኻ።
ንመሳርሕትኻ፡ ንደቂ ቤት ትምህርትኻ፡ ንኣዝማድካ ኸምኡ እውን ንእትፈልጦም ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እዛ ቪድዮ ኣዚኣ ንገሮም፡ ባዕልኻ ኸተርእዮም ከም እትኽእል እውን ሓብሮም። ወይ ድማ እታ ቪድዮ ኣብ ወብ ሳይትና እትርከበሉ ቦታ ኢ-ሜይል ግበረሎም፡ ባዕሎም ንኺርእይዋ ኸኣ ሓሳብ ኣቕርበሎም።
ነዚ ሓድሽ መሰናድዎ እዚ ተጠቒምና፡ ነቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ብመንፈሳዊ ብምሕጋዝ፡ ብዙሓት መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር ንኽእል ኢና።—ግብ. 13:48።