መደብ 9 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
9 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 25ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jl ትምህርቲ 17-19 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ዮሃንስ 1–ይሁዳ (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ዮሃንስ 5:1-21 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ የሱስ ክርስቶስ ብኸመይ እዩ ኺዝከር ዘለዎ፧—ሉቃ. 1:32, 33፣ ዮሃ. 17:3 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ኣብ ልቢ’ ሰባት የላን ወይ ብጻዕሪ ሰባት ኣይትመጽእን—td 6ሐ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
15 ደቒቕ፦ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2014። ብሓላው ቤት ትምህርቲ ዚቐርብ መደረ። ካብ መምርሒ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2014፡ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ነጥብታት ኣጕልሕ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብታ ሰሙን ዚንበብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ መጀመርያ ምዕራፋት ሓደ መጽሓፍ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዚጐልሕ ነጥብታት ዜቕርብ ሓው፡ ድሕሪ ሕጂ ኻብታ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ዘርእስታ ብሮሹር ኸም ዘየጕልሕ ግለጽ። ኣብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ሓሳባት ብምሃብን ካብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ሰሙናዊ ዚውሃብ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ኵላቶም መዝነቶም ኣብ ምፍጻም ትጉሃት ኪዀኑ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ፦ “ብኸመይ ውጽኢታዊ መእተዊ ኸም እትዳሎ።” ሕቶታትን መልስታትን። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ብኸመይ ከም እትብርከት ዜርኢ ኽልተ መእተዊ፡ ማለት ሓደ ውጽኢታዊ ዘይኰነ እቲ ሓደ ግና ውጽኢታዊ ዝዀነ መርኣያታት ከም ዚቐርብ ግበር።
መዝሙር 23ን ጸሎትን