ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ብዙሓት ሰባት ንምምላስ የሱስ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ። የሱስ እንተ መጺኡ፡ ኪገብረልካ እትደልዮ ነገር እንታይ እዩ፧” መልሲ ተጸበ። ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 1 ታሕሳስ ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ፡ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ
“ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ህይወት፡ ጕያ ጕያ ዝበዝሖ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ምሕሳብ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቦታ ኺህልዎ፡ ዜገድስ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከት፡ ብሓቂ ሕጉሳት ምእንቲ ኽንከውን መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየና ገሊጹ ነይሩ እዩ። [ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ከም ዜድልየና ሰለስተ መርትዖ ተቕርብ።”
ንቕሑ! ታሕሳስ
“መብዛሕትና ኣብ ዜና ብዝሰማዕናዮ ወይ ኣብ ጋዜጣ ብዘንበብናዮ ተመርኲስና ኢና ርእይቶ እንህብ። እቲ እንሰምዖ ዜና ቕኑዕን ሓቅን እዩ ኢልካ ትሓስብዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንዝሰማዕናዮ ዘበለ ብዛዕባ ምእማን መጠንቐቕታ ይህብ እዩ። [እዮብ 12:11 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ እንሰምዖ ወይ እነንብቦ ቓላት ክንምርምሮ ዚሕግዘና ነጥብታት ትገልጽ።”