ብኸመይ ውጽኢታዊ መእተዊ ኸም እትዳሎ
1. ጽቡቕ መእተዊ ኺህልወካ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧
1 ልክዕ ከምቲ ንመኽፈት ሸውሃት ዚቐርብ ጥዑም ምግቢ ወይ ዚስተ ነገር፡ ሸውሃትካ ኸፊቱ ነቲ ቐንዲ ምግቢ ባህ ኢሉካ ኸም እትበልዖ ዚገብር፣ ጽቡቕ መእተዊ እውን ኣወንታዊ ንዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ መገዲ ይኸፍት እዩ። ውጽኢታዊ መእተዊ ብንውሓቱን ብትሕዝቶኡን ኪፈላለ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፣ ልክዕ ከምቲ ምቁር ምግቢ ንምስራሕ ምድላው ዜድልዮ፡ ውጽኢታዊ መእተዊ እውን ወትሩ ኣቐዲምካ ምሕሳብን ምድላውን የድልዮ እዩ። (ምሳ. 15:28) ንሓደ መእተዊ፡ ውጽኢታዊ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
2. ባህ ዜብል መእተዊ ኽንዳሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ተገዳስነት ዜለዓዕል ኣርእስቲ ምረጽ፦ መእተዊና ንተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት የለዓዕሎ ወይ ድማ ነቲ ምይይጥ ከም ዚቋረጽ ይገብሮ። ስለዚ፡ ክንዳሎ ኸለና፡ ኣብቲ ኸባቢ ብዛዕባ ዜገድስ ነገር ንሕሰብ። ኣብቲ ማሕበረ ሰብ ዘለዉ ሰባት፡ ጽቡቕ ምምሕዳር፡ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት፡ ወይስ ኲናት ዜብቅዓሉ ግዜ ድዩ ዜገድሶም፧ ሰባት ብሓፈሻ ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ኺህቡ እዮም ዚደልዩ፣ ስለዚ፡ ብዙሕ ኬመራምር ዚኽእል ሕቶ ኣዳሉ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ ንመእተዊ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ ምስቲ ኽልኻ ብዚሰማማዕ መገዲ ኸተቕርቦ ትኽእልዶ፧ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት፡ ሓድሓድ ግዜ ንእተወሰነ መእተዊታት ንምንታይ ዘይትለማመድሉ፧
3. መእተዊና ምስ ባህልን ድሕረ ባይታን እቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት ብዚሰማማዕ መገዲ ኽንቀያይሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ባህልን ድሕረ ባይታን ኣብ ግምት ኣእቱ፦ ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ዝመጻእናሉ ምኽንያት ሽዑ ንሽዑ ኽንዛረብ እዩ ዚድለ። ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ፡ ሓደ በጻሒ ብዛዕባ ጥዕና እቲ ብዓል ቤት ከይሓተተ ወይ ብዛዕባ ርእሱ ገለ ሓበሬታ ኸይሃበ ብቐጥታ ናብ ጕዳዩ ዚኣቱ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ከም ነውሪ ጌርካ እዩ ዚቝጸር። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ከኣ፡ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ እቶም ሰባት፡ ኣብ መእተዊና ከይተሰከፍና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንጠቅስ ኣጋጣሚ ይህበና እዩ። (ግብ. 2:14-17) ይኹን እምበር፡ ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀነ ሃይማኖት ንዘለዎም፡ ወይ ድማ ሃይማኖት ዚብሃል ንዘይብሎም ሰባት ከነዘራርቦም ከለና፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕና፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ እንገብረሎም እዋን መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ጠቐስና ዝሓሸ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:22-31።
4. ነቲ ኣብ መእተዊና እንጥቀመሉ ቓላት ብዚምልከት፡ እንታይ ኣቓልቦ ኽንገብር እዩ ዚግብኣና፧
4 መእተዊ ቓላት፦ ንመእተዊ እትጥቀሙሉ ቓላት ብጥንቃቐ ኣዳሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓጺርን ቅልል ዝበለን ምሉእ ሓሳባት ምምራጽ ዝበለጸ እዩ። እቲ ነዚ መእተዊ ቓላት እዚ እነመሓላልፈሉ መገዲ እውን ኣገዳሲ እዩ። ብውዕዉዕ መገዲ ኣቕርቦ። ካብ ልቢ ብዝመነጨ ፍሽኽታን ብፍሽሕው ገጽን ነቲ ብዓል ቤት ብብሕቲ ኸም እትግደሰሉ ኣርኢ። ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳባት ምስዓብ፡ ባህ ዜብል መእተዊ ኸም እንዳሎ ይገብረና፡ ኣብ ክልና ንዚርከቡ ሰባት ድማ ካብ “መኣዲ የሆዋ” ንኺምገቡ የለዓዕሎም።—1 ቈረ. 10:21።