ቃል ኣምላኽ ይዓዪ እዩ
1. ኣርእስቲ እቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2014 ዚግበር መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እንታይ እዩ፧
1 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምቲ ኻብ ዘይፍጹማት ሰባት ዚምንጭው ዝዀነ ይኹን ነገራት ዘይኰነስ፡ ንኣተሓሳስባናን ንመገድታትናን ምስ ፍቓድ የሆዋ ኸም ዚሰማማዕ ገይሩ ናይ ምቕያር ሓይሊ ኣለዎ። ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚዓዪ፧ ኣብ ህይወትና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ እዚ ነጥብታት እዚ፡ ንዓመት ኣገልግሎት 2014 ኣብ እተዳለወ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ኺግለጽ ከሎ፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚእከቡ ብመንፈሳዊ ኸም ዚህነጹ ርግጸኛታት ኢና። ኣርእስቱ ኻብ እብራውያን 4:12 እተወስደ ዀይኑ፡ ‘ቃል ኣምላኽ ይዓዪ እዩ’ ድማ ይብል።
2. መልሲ ኣየናይ ሕቶታት ንምርካብ ኢና ጽን ኢልና ኽንሰምዕ ዘሎና፧
2 ነዘን ሕቶታት እዚአን መልሲ ርኸበለን፦ ኣብቲ ኣኼባ ጽን ኢልካ ብምስማዕ፡ መልሲ እቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሕቶታት ጽሓፍ።
• ብቓል የሆዋ ኽንተኣማመን ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ (መዝ. 29:4)
• ቃል ኣምላኽ ከም ዚዓዪ ኣብ ህይወትና ኽንምከሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (መዝ. 34:8)
• ነቲ ዚዓዪ ቓል ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎትና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (2 ጢሞ. 3:16, 17)
• ብናይ ሰይጣን ዓለም ንኸይንታለል ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ዮሃ. 5:19)
• ከም መንእሰይ መጠን፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕዉት ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ኤር. 17:7)
• ምስ እንደክም እውን ከይተረፈ፡ ብርቱዓት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (2 ቈረ. 12:10)
• ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ልምድን ኣረኣእያን እናሃለወና ኽነሱ፡ ኣብ ህይወትና ዘየቋርጽ ለውጢ ንኽንገብር እንታይ የድልየና፧ (ኤፌ. 4:23)
3. ኣብቲ ፍሉይ መዓልቲ ኣኼባ ጽን ኢልና ኻብ ምስማዕ ብተወሳኺ፡ እንታይ ካልእ ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል፧
3 ነዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ እዚ ብምስማዕ፡ ብዙሕ ክንጥቀም ኢና። ብዘይካዚ፡ ልክዕ ከም ኣኼባ ወረዳን ኣኼባ ኣውራጃን፡ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እውን፡ ምስቶም ካብ ጉባኤና ወጻኢ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቕርና ንኸነስፍሕን ጽቡቕ ምሕዝነት ንኽንምስርትን ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ። (መዝ. 133:1-3; 2 ቈረ. 6:11-13) ስለዚ፡ ምስቶም ናይ ቀደም ፈተውትኻ ንምቅርራብን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ንምጥራይን ግዜ መድብ። ሓላው ኣውራጃ ወይ ካብ ቤት-ኤል እተወከለ ሓው፡ ከም በጻሒ ተዛራባይ ኰይኑ ናብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባኹም እንተ ደኣ መጺኡ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ንዕኡን ንብዓልቲ ቤቱን ንምቕባል ዘይትጥቀመሉ፧ ብርግጽ እምበኣር፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ብሃንቀውታ እንጽበየሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና።