መደብ 19 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
19 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 51ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 25 ¶8-13፡ ኣብ ገጽ 201 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 9-12 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ሮሜ 9:19-33 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ ጌጋ ምዃና እንተ ኣረጋጊጹ፡ ኪቕይር ኣለዎ—td 1ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ንሰባት ስለምንታይ ክንፈርሆም ከም ዘይብልና ዜርኢ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ—ሉቃ. 12:4-12 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ “ቃል ኣምላኽ ይዓዪ እዩ።” ሕቶታትን መልስታትን። መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ዚግበረሉ ዕለት ይፍለጥ እንተ ዀይኑ፡ ንገር።
10 ደቒቕ፦ ኣብቲ ኸባቢ ንዘለዉ ዀለፍቲ ዘረባ፡ ከመይ ጌርካ ኸም እትምልሰሎም። ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ ምይይጥ። ክልተ ወይ ሰለስተ ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ዀለፍቲ ዘረባ ዜቕርብዎ፡ ግናኸ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒንግ ዘየለ ሓሳባት ጥቐስ። ሰማዕቲ ብኸመይ ኪምልሱ ኸም ዚኽእሉ ሓሳብ ንኺህቡ ድማ ዓድሞም። ሕጽር ዝበለ ሓደ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ብትብዓት ስበኽ። (ግብ. 4:29) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2013 ኣብ ገጽ 49፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-6፣ ከምኡውን ኣብ ገጽ 69፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-6 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 47ን ጸሎትን