‘ብግዜኡ እተዳለወ ምግቢ’
1 መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ምስ ተኻፈልና፡ “ናይ ብሓቂ ዜድልየና ትምህርቲ እዩ ነይሩ!” ንብል ኢና። ሓደ ሓላው ወረዳ ኸም ዝጸብጸቦ፡ ኣብቲ ንሱ ዜገልግለሉ ወረዳ ዘለዉ ኣሕዋት፡ ኣብ ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ኣኼባ ምስ ተኣከቡ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ተሳትፎ ኼስፍሑ ኸም ዚደልዩ ገለጹ። ሓደ ገያሺ ሓላዊ፡ “እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ህይወትና ምርጫታት ክንገብር ከለና፡ ነዚ ዘለናሉ እዋን ኣብ ግምት ከነእቱ ሓጊዙና እዩ” በለ። ካልእ ገያሺ ሓላዊ ኸኣ፡ “ሓያሎ ኣስፋሕቲ፡ እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ፡ ማለት ኣብ ኣገልግሎት ንኼተኵሩ ኸም ዘነቓቕሖም ገሊጾም እዮም” በለ። ንዓኻኸ እቲ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ብኸመይ ሓጊዙካ፧
2 ኣብ ዚቕጽል ዓመት ኣገልግሎት ዚቐርብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እውን፡ ብሓቂ ዜድልየና ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ቀንዲ ኣርእስቱ ኻብ መዝሙር 118:8, 9 (NW) እተወስደ ዀይኑ፡ ‘ኣብ የሆዋ ተማዕቈቡ’ ዚብል እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብቲ ኣኼባ እንመሃሮ ትምህርቲ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ “የሆዋ ኣብ ግዜ ጭንቂ ብኸመይ ዕርዲ ኸም ዚዀነና፡” “ንኻልኦት ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ የሆዋ ኺዕቈቡ ሓግዝዎም፡” “ዕቝባ ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ምሰልዎ፡” “ኣቱም መንእሰያት፡ ብየሆዋ ተኣመኑ!፡” “መንፈሳዊ ገነትና—የሆዋ ዘሰናደዎ መዕቈቢ።”
3 ካብቲ ኣኼባ ብኸመይ ትጥቀም፧ ኣኼባ ዚግበረሉ መዓልቲ ብምልክታ ምስ ተነግረ፡ ኣብኡ ንኽትእከብ ንጹር መደባት ኣውጽእ፣ ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሎም ሰባት እውን ምሳኻ ኺእከቡ ዓድሞም። “ብትዕግስቲ . . . ፍረ ዚፈርዩ” ሰባት ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ዝሰማዕናዮ ኣብ ልብና ኽንዓቝሮ ኣሎና። (ሉቃ. 8:15) ስለዚ፡ ኣብቲ ኣኼባ ጽን ኢልካ ስማዕ፡ ኣብ ህይወትካ ዀነ ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ እትኽእል ቀንዲ ነጥብታት ድማ ጽሓፍ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ግብሪ ኸተውዕልዎ ብዛዕባ እትኽእሉ ነጥብታት ምእንቲ ኽትመያየጡ፡ ግዜ መድብ።
4 ኣብዚ ዓመት ዚግበር መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ ልክዕ ከም ምቁርን ዚዕንግልን ምግቢ፡ ብፍቕርን ብጥንቃቐን እዩ ተዳልዩ። ኣብቲ ኣኼባ ንኽትእከብ ከምኡውን ካብቲ ንክርስትያን ኣገልገልቲ ብመንፈስ ንምዕንጋል ‘ብግዜኡ እተዳለወ ምግቢ’ ንኽትጥቀም እትገብሮ ጻዕሪ፡ የሆዋ ኺባርኾ ንምነየልካ።—ማቴ. 24:45።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
1. እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ ንዓኻ ይኹን ንኻልኦት ዝሓገዘኩም ብኸመይ እዩ፧
2. ኣብቲ ኣብ ዚቕጽል ዓመት ኣገልግሎት ዚቐርብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እንታይ ክንመሃር ኢና፧
3. ካብቲ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4. ነቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ብሃንቀውታ ኽንጽበዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧