ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/13 ገጽ 8
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 4/13 ገጽ 8

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሚያዝያ፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣላሊ ወይ ድማ ንዅነታት እቲ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ኣላልዮ እሞ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሉ ጽዓር። ግንቦትን ሰነን፦ ኣስፋሕቲ ንሓንቲ ኻብዘን ዚስዕባ ትራክትታት ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም፦ ብናብራ ስድራቤትካ ተሓጐስ፡ ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎ መን ኢዩ፧፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት፡ ወይ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧። እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ወይ ከኣ ንሓንቲ ኻብተን ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስተን ብሮሹራት ተጠቒምካ፡ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚግበር ኣርእዮ። ሓምለ፦ ብስራት ኣምላኽ ወይ ካልእ ብሮሹራት።

◼ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ እትገብሩሉ ሰሙን ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኣብዛ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ምኽርታትን መዘኻኸሪታትን ኣኼባ ኣውራጃ ንምምይያጥ፡ ነቲ ዚቐርብ ክፍሊ ምትዕርራይ ኪግበረሉ ይከኣል እዩ። ድሕሪ ኣኼባ ኣውራጃ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ኣብ ዚብል ክፍሊ፡ ብዛዕባ እቲ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ኪጠቕሞም ዚኽእል ነጥብታት ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም።

◼ ብጕዳይኩም ናብ ካልእ ዓዲ ጌሽኩም ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ኽትካፈሉ ምስ እትደልዩ፡ ኣብቲ www.jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ “about us” ዚርከብ “conventions” ዚብል ብምምራጽ ሓጋዚ ሓበሬታ ኽትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ