ነቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባታት ዚምልከት ምትዕርራይ
ካብታ 3 መስከረም እትጅምር ሰሙን ኣትሒዙ፡ እቲ 25 ደቒቕ ዝነበረ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፡ 30 ደቒቕ ኪኸውን እዩ። እቲ ዚመርሕ ሓው፡ ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ትምህርቲ ዚገልጽ ናይ ሓደ ደቒቕ ድግማ ብምቕራብ ኪጅምር ኣለዎ። እቲ 35 ደቒቕ ዝነበረ ኣኼባ ኣገልግሎት፡ 30 ደቒቕ ኪኸውን እዩ። ምልክታታት ዚቐርበሉ ርእሱ ዝኸኣለ ኽፍሊ ኣይኪህሉን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዝዀነ ይኹን ምልክታ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ኽፍሊ ዜቕርብ ሓው ኬቕርቦ ኣለዎ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ሒደት ምልክታታት ጥራይ እዩ ዜድሊ፣ ኣብቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ብዛዕባ ዚቐርብ ካልእ ክፍልታት ምሕባር ኣየድልን እዩ። ንወፍሪ ኣገልግሎት ዚምልከት ምልክታታትን መደብ ጽሬትን ሰላምታታትን ካብ መድረኽ ኪንበብ የብሉን። (km 10/08 ገጽ 1፡ ሕ.ጽ. 4) ነዊሕ ምልክታ ኪቐርብ እንተ ኣድልዩ፡ እቶም ክፍሊ ዘለዎም ኣሕዋት ንኽፍሎም ኣሕጽር ኣቢሎም ምእንቲ ኬቕርብዎ፡ ኣቐዲሙ ኺሕበሮም ጽቡቕ እዩ።