መደብ 3 መስከረም እትጅምር ሰሙን
3 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 6ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 9 ¶1-7፡ ኣብ ገጽ 68, 70 ዘሎ ሳጹናት (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ህዝቅኤል 39-41 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ህዝቅኤል 40:17-31 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኣዒንትና ኼስሕታና ዚኽእላ በየናይ መገድታት እየን፧—ዘፍ. 3:2-6 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ‘ኣብ ክንዲ ዅሉ በጃ’ ዀይኑ ተኸፍለ—td 25ሀ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ንሰብ ቤት ብርትዓዊ መገዲ ኸተረድእ እትኽእለሉ መገዲ—2ይ ክፋል። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ካብ ገጽ 253፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽሳብ መወዳእታ ገጽ 254 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሓደ ወይ ንኽልተ ነጥብታት ብመርኣያ ኣቕርቦ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ መስከረም መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ርእይቶታት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት፡ ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ሰማዕቲ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 34ን ጸሎትን