ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 27 ነሓሰ 2012 እትጅምር ሰሙን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
1. እቲ ነታ ኸሓዲት ይሁዳ ዚምልከት ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ናይ ምንታይ ጽላሎት እዩ ነይሩ፧ እዚኸ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና፧ (ህዝ. 8:15-17) [2 ሓም.፡ w07 1/7 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 6፣ w93 15/1 ገጽ 20-22 ሕ.ጽ. 7, 12 ወይ w93-E 15/1 ገጽ 27-28 ሕ.ጽ. 7, 12]
2. መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ ነብያት ሓሶት ዚመስልዎም በየናይ መገድታት እዮም፧ (ህዝ. 13:3, 7) [9 ሓም.፡ w99 1/10 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 14-15]
3. ኣብ ህዝቅኤል 17:22-24 ኣብ እተመዝገበ ትንቢት፡ እቲ “ለውለው እትብል” እተባህለሉ መን እዩ፧ እቲ እተተኽለሉ “ኽብ ዝበለ በሪኽ ከረን” እንታይ እዩ፧ “ግሩም ዝዀነት ጽሕዲ” ዝዀነኸ ብኸመይ እዩ፧ [16 ሓም.፡ w07 1/7 ገጽ 12-13 ሕ.ጽ. 6]
4. ብመሰረት እቲ ኣብ ህዝቅኤል 18:2 ተመዝጊቡ ዘሎ ምስላ፡ እቶም ምስ ህዝቅኤል ተማሪኾም ዝነበሩ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ዚወርዶም ዝነበረ መከራ ንመን እዮም ዚወቕሱ ነይሮም፧ ካብዚ ጸብጻብ እዚኸ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧ [23 ሓም.፡ w88-E 15/9 ገጽ 18 ሕ.ጽ. 10]
5. እቲ ኣብ ህዝቅኤል 21:18-22 ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመ፡ ደቂ ሰብ ኰነ ኣጋንንቲ ንዕላማ የሆዋ ኪቕይርዎ ኸም ዘይክእሉ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ [30 ሓም.፡ w07 1/7 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 4]
6. ብመሰረት እቲ ኣብ ህዝቅኤል 24:6, 11, 12 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ምራተ እቲ ድስቲ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ ኣብ ፍቕዲ 14ኸ እንታይ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ [6 ነሓ.፡ w07 1/7 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 2]
7. እቲ ኣብ ልዕሊ ጢሮስ ኪወርድ እዩ እተባህለ ትንቢት፡ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ [6 ነሓ.፡ it-1-E ገጽ 70፡ ሳጹን፣ bsi07 ገጽ 7 ሕ.ጽ. 4 ወይ si-E ገጽ 133 ሕ.ጽ. 4]
8. ኣየናይ ኣብ ህዝቅኤል 28:2, 12-17 ተመዝጊቡ ዘሎ መግለጺታት እዩ “ንንጉስ ጢሮስን” ነቲ ናይ መጀመርታ ጠላሚ ዝዀነ ሰይጣንን ዜመልክት፧ [13 ነሓ.፡ w05 15/10 ገጽ 23-24 ሕ.ጽ. 10-14፣ it-2-E ገጽ 604 ሕ.ጽ. 4-5]
9. ግብጺ ን40 ዓመት ዝባደመት መዓስ እያ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥፍኣት ከም እተፈጸመ ንኽንኣምንከ እንታይ መሰረት ኣሎና፧ (ህዝ. 29:8-12) [13 ነሓ.፡ w07 1/8 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 5]
10. ህዝቅኤል፡ ዘይተገዳስነት፡ ላግጺ፡ ከምኡውን ጸማም እዝኒ እኳ እንተ ኣጋጠሞ ብኸመይ ሰገሮ፧ የሆዋኸ እንታይ መረጋገጺ ሃቦ፧ (ህዝ. 33:31-33) [20 ነሓ.፡ w91 15/3 ገጽ 14-15 ሕ.ጽ. 16-17 ወይ w91-E 15/3 ገጽ 17 ሕ.ጽ. 16-17]