ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ገሊኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ኺንበ ዚኽእል ዜተኣማምን መጽሓፍ ከም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ብእተፈላለየ መገድታት ኪትርጐም ዚኽእል ዘይንጹር ትንቢታት ዝሓዘ ዀይኑ ይስምዖም። ንስኻኸ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧” መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ነቲ ብዓል ቤት ናይ 1 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ እሞ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 16-17፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ፡ ንሓንቲ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጠሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ቐጺላ ዘላ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠላ ኸኣ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ካብቶም ኣብ ታሪኽ ዘለዉ ዓበይቲ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ሓያሎ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ነዝስ ትሰማምዓሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ንሓደ ዓብዪ ሰብኣይ ትጠቅስ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንሱ ጥራይ እዩ ‘ዓርኪ ኣምላኽ’ ተባሂሉ ዘሎ። [ያእቆብ 2:23 ኣንብብ፣ እታ ኣብዚ “ፍቁር ኣምላኽ” ተባሂላ ዘላ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ዓርኪ ኣምላኽ” ከም እትብል ግለጽ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ስለምንታይ ከም ዓርኩ ኸም ዝቘጸሮ፡ ካብ ኣብነት ኣብርሃም ከኣ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ትገልጽ።”
Awake! January
“ጉቦን መዕበስ ኣፍን ካልእ ዓይነት ሸፈጥን ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ገሊኣቶም ኣብ ንግዲ ንኽትዕወት፡ ሓደ ዓይነት ሸፈጥ ዜድሊ ዀይኑ ይስምዖም። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዛ እተተሓሳስብ ምሳሌ ኣስተብህለላ። [ምሳሌ 20:17 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብኸመይ ሓቀኛ ኽትከውን ከም እትኽእል ትገልጽ።”