ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ኣለዎም። ገሊኦም ንኣምላኽ ከም ምስጢራዊ ሓይሊ ገይሮም ይሓስብዎ። ካልኦት ድማ ከም ኣፍቃሪ ሰማያዊ ኣቦ ገይሮም ኣብ ኣእምሮኦም ይስእልዎ። ንስኻኸ፡ ንኣምላኽ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧” መልሲ ተጸበ። ነቲ ብዓል ቤት፡ ነታ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ 1 ጥሪ ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ድማ፡ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ንዅላትና ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ጕዳይ፡ ማለት ብዛዕባ ሞት እነፍቅሮ ሰብ፡ ከነዘራርበካ ኢና መጺእና። ሞት ሓደ እትፈትዎ ዓርኪ ወይ ዘመድ፡ ሓደ ኻብቲ ንኽትጻወሮ በዳሂ ዝዀነ ነገር ምዃኑስ ኣይትሰማማዓሉንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት፡ እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ እተጸናንዕ ኰይና ረኺቦምዋ እዮም። [ኢሳይያስ 25:8 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ሞት ዚጠፍኣሉን ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ናብ ህይወት ዚምለሱሉን ዜተባብዕ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።”
ንቕሑ! ጥሪ
“ሎሚ ስድራ ቤታት፡ ብዙሕ ጸቕጥታት ከም ዜጋጥመን ትሰማምዓሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ምሳሌ፡ ስድራ ቤታት ንኣባላት ስድራ ቤተን ንኺሃንጻን ንኼደልድላን እንታይ ኪገብራ ኸም ዚግብአን ትሕብረና። [ምሳሌ 24:3 ኣንብብ።] ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን ምንጪ ጥበብ ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብናጻ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ንስድራ ቤታት ዚሕግዝ ሓሳባት ዝሓዘ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ወብ ሳይት ከም ዘሎ ትሕብር።”