ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ 9,212 ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ስለ ዝሃቡ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት፡ ብሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ እዩ ተዛዚሙ። ኣብታ ዓመት እቲኣ እተራእየ ወሰኽ 4% ኪኸውን ከሎ፡ 533 ተጠሚቖም እዮም። ንኣገልግሎት የሆዋ ዝወዓለ ጠቕላላ ሰዓታት፡ ንመጀመርታ ግዜ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ምዃኑ፡ ይበል! ዜብል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ህይወት ዜድሕን ዕዮ እዚ፡ ብቕንእን ብትግሃትን ንካፈል።