6 መስከረም እትጅምር ሰሙን
6 መስከረም እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 9 ሕ.ጽ. 22-26፡ ኣብ ገጽ 109 ዘላ ሳጹን፡ መመላእታ ጽሑፍ ገጽ 218-219
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ነገስት 12-15
ቍ. 1፦ 2 ነገስት 13:1-11
ቍ. 2፦ መንፈስ ቅዱስ ክንረኽበሉ እንኽእል መገድታት
ቍ. 3፦ td 34ሀ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ተሓታቲ መን እዩ፧
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ነብያት ሓሶት ዘይኰንናሉ ምኽንያት። ኣብታ ሪዝኒን እትበሃል መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 136 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽሳብ መወዳእታ ገጽ 137 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ንሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 137 ተጠቒሱ ዘሎ ርእይቶ ተጠቒምካ ሓደ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ንዘገልገልዎ ሓደ ወይ ክልተ ኣብነታውያን ኣስፋሕቲ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም። ዕዮ ስብከት ካብቲ ንሳቶም ኣገልግሎት ዝጀመሩሉ እዋን እንታይ ለውጢ ገይሩ፧ ኣብዚ ዜገልግሉሉ ዘለዉ ቦታ ዀነ ኣብ መላእ ዓለም እንታይ ምስ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ዕቤት ርእዮም፧ ውድብ የሆዋ፡ ከም ወንጌላውያን መጠን ዕቤት ንኺገብሩ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧