ነቲ ዳሕረዋይ ገጽ ተጠቒምካሉዶ ትፈልጥ፧
ሰባት ንሓንቲ መጽሔት ኬንብቡ ቕድሚ ምጅማሮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ገበር ይርእዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከይሓሰብዎ እውን ንዳሕረዋይ ገጽ እታ መጽሔት ይርእዩ እዮም። ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሓያሎ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶታትን ሓሳባትን ኰነ እቲ ሓበሬታ ዚርከበሉ ገጽ ይጥቀስ እዩ።
ነዚ ዳሕረዋይ ገጽ፡ ዝርርብ ንምጅማር ከም ዚሕግዝ መእተዊ ሕቶታት ጌርና ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ኣብ ክልና ብተደጋጋሚ ንዓዪ እንተ ዄንና፡ እተፈላለየ ሕቶታት ብምጥቃም፡ ኣቀራርባና ኽንቀያይር ንኽእል ኢና። እቲ ዝረኸብናዮ ብዓል ቤት ብስራሕ ትሑዝ እንተ ዀይኑ፡ ንሓንቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እትርከብ ሕቶ ብምጥቃስ ከምኡውን “ብዛዕባ መልሲ እዛ ሕቶ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነዘን መጽሔታት ክሓድገልካን ካልእ መዓልቲ ኽንዘራረብን ንኽእል ኢና” ብምባል ኣቀራርባና ኸነሕጽር ንኽእል ኢና። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ነቲ ብዓል ቤት ንዳሕረዋይ ገጽ እታ መጽሔት ኣርእዮም፡ ኣየነይቲ ሕቶ ከም እተገድሶ ይሓትዎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዝርርብ ይጅምሩ። ድሕሪኡ፡ መልሲ እታ ሕቶ ኣበይ ከም እትርከብ ይሕብርዎ፡ ኣቐዲሞም ዝመረጽዋ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ የንብቡሉ። ምናልባት ንስኻ እውን፡ ሰባት ብዛዕባ ግምቢ ዘብዐኛ ዘለዎም ተገዳስነት ከም ዚለዓዓል ኣብ ምግባር፡ ንዳሕረዋይ ገጽ ብኻልእ መገዲ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።