ብዘይወግዓዊ መገዲ ኽትምስክር ትኽእል ኢኻ
1 ኣብ ጉባኤኹም ብዘይወግዓዊ መገዲ ተመስኪሩሎም ብዛዕባ ሓቂ ዝፈለጡ ኽንደይ እዮም፧ እቲ መልሲ የገርመካ ይኸውን። ዘይወግዓዊ ምስክርነት ኪበሃል ከሎ፡ ነቶም ኣብ መጐዓዝያ፡ ኣብ ምብጻሕ ኣዝማድን ጐረባብትን፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ኸምኡ ዝኣመሰለ መዓልታዊ ንጥፈታትና እንረኽቦም ሰባት፡ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል የጠቓልል። ኣብ ሓንቲ ልዕሊ 200 እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉዋ ጕጅለ፡ 40 ሚእታዊት ዚዀኑ ብዘይወግዓዊ መገዲ እዩ ተመስኪሩሎም። ስለዚ፡ እዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ፡ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ።
2 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን፡ ብተደጋጋሚ ብዘይወግዓዊ መገዲ ይምስክሩ ነበሩ። ንኣብነት፡ የሱስ ብሰማርያ ኺሓልፍ ከሎ፡ ንሓንቲ ኣብ ዔላ ያእቆብ ማይ እትቐድሕ ዝነበረት ሰበይቲ መስከረላ። (ዮሃ. 4:6-26) ፊልጶስ ምስ ሓደ ኻብ ትንቢት ኢሳይያስ ዜንብብ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ምስ ተራኸበ፡ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” ብምባል ምይይጥ ጀመረ። (ግብ. 8:26-38) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ነቲ ሓላው እሱራት መስከረሉ። (ግብ. 16:23-34) ጸኒሑ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ቤት ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ። ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።” (ግብ. 28:30, 31) ንስኻ እውን ሓናኽ ኩን ኣይትኹን ብዘየገድስ፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኽትምስክር ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧
3 ዝርርብ ምጅማር፦ መብዛሕትና ምስ ዘይንፈልጦ ሰብ ዝርርብ ምጅማር ይኸብደና እዩ። ንፈተውትና እውን እንተ ዀነ፡ ክምስክረሎም የጸግመና ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣገልገልቱ ዝሃቦም መንፈሳዊ መዝገብ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሰባት ዘለዉሉ ሕማቕ ኵነታት እንተ ኣስተንቲንና፡ ንኽንዛረብ ክንድረኽ ኢና። (ዮና. 4:11፣ መዝ. 40:5፣ ማቴ. 13:52) ብዘይካዚ፡ ‘ንኽንተብዕ’ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ንየሆዋ ኽልምኖ ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 2:2) ሓደ ተመሃራይ ጊልዓድ፡ “ንሰባት ምዝርራብ ኪኸብደኒ ኸሎ፡ ጸሎት ኣዝዩ ሓጋዚ ዀይኑ እየ ረኺበዮ” በለ። ንኽትዛረብ ሰጋእ መጋእ ትብል እንተ ዄንካ፡ ብልብኻ ኣሕጽር ኣቢልካ ጸሊ።—ነህ. 2:4።
4 ብዘይወግዓዊ መገዲ ኽንምስክር ከለና፡ ንዝርርብና ብመእተውን ብጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስን ክንጅምሮ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ብኡንብኡ ምስክርነት ክንህብ ከየድለየና፡ ዝርርብ ጥራይ ንምጅማር ሸቶ ኸነውጽእ ንኽእል ኢና። ብዙሓት ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ፈለማ ኸምኡ እንተ ገይሮም፡ ጸኒሖም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል ቀሊል ከም ዚዀነሎም ገሊጾም እዮም። እቲ ሰብ ኬዘራርበና እንተ ዘይደልዩ፡ ከነገድዶ ኣየድልን እዩ። ብሰላም ክንፈላለ ኣሎና።
5 ሓንቲ ሓናኽ ሓብቲ ናብ ዕዳጋ ኣብ እትኸደሉ እዋን፡ ንሓደ ኣብ ጥቓኣ ዘሎ ሰብ፡ ፍሽኽ ኢላ ትጥምቶ። ንሱ እውን ፍሽኽ እንተ ኢሉ፡ ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ተካፍሎ። ኣወንታዊ ምላሽ እንተ ሂቡ፡ ነቲ ዝርርብ ትቕጽሎ። ጽን ኢላ ትሰምዕ፣ ንኣቓልቦ እቲ ሰብ ኪስሕብ ዚኽእል ኣየናይ መዳይ እቲ ብስራት ምዃኑ ኸኣ ክትሓስብ ትፍትን። ነዚ ሜላ እዚ ተጠቒማ፡ ብዙሕ ጽሑፋት ከተበርክትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምርን ከኣለት።
6 እንታይ ኢልና ኽንጅምር ንኽእል፧ ዝርርብ ንምጅማር እንታይ ክንብል ንኽእል፧ የሱስ ምስታ ኣብ ዔላ ዝረኸባ ሰበይቲ ንዝገበሮ ዝርርብ፡ ማይ ክትህቦ ብምሕታት እዩ ጀሚርዎ። (ዮሃ. 4:7) ንሕና እውን ንዝርርብና ብሰላምታ ወይ ብሕቶ ኽንጅምሮ ንኽእል ኢና። ክትዘራረቡ ኸለኹም፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ንኽትህብን ዘርኢ ሓቂ ንኽትዘርእን ዜኽእል ኣጋጣሚ ኺፍጠር ይኽእል እዩ። (መክ. 11:6) ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ዜለዓዕልን ሕቶ ዜበግስን ሓሳብ ብምሃብ፡ ዝርርብ ኪጅምሩ ኽኢሎም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሕክምና ሪጋ ሒዝካ እንተ ኣሊኻ፡ “ፈጺመ ዘይሓምመሉ እዋን እንተ ዚመጽእ ደስ ምበለኒ” ብምባል ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።
7 ኣስተብህሎ እውን ዝርርብ ንኸነጀምር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እዱባት ቈልዑ ዘለዉዎ ወላዲ እንተ ርኢና፡ ክንንእዶን “ንፉዕ ወላዲ ንኽትከውን እንታይ ሓጊዙካ፧” ኢልና ኽንሓቶን ንኽእል ኢና። ሓንቲ ሓብቲ ነቲ መሳርሕታ ዚዛረቡሉ ጕዳይ ተስተብህለሉን ብዛዕባ እቲ ዜገድሶም ነገራት ንጹር ሓበሬታ ተካፍሎምን እያ። ሓንቲ መሳርሕታ ኸም እትምርዖ ምስ ፈለጠት፡ ብኸመይ ንመርዓኣ መደብ ከተውጽእ ኸም እትኽእል እትገልጽ ንቕሑ! ሃበታ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ንኺመያየጣ ኣጋጣሚ ኸፈተ።
8 ካልእ ዝርርብ ክንጅምር እንኽእለሉ መገዲ፡ ካልኦት ኪርእይዎ ብዚጥዕም መገዲ ምንባብ እዩ። ሓደ ሓው ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! እትርከብ ኣቓልቦ ዚስሕብ ኣርእስቲ ዘለዋ ዓንቀጽ ገንጺሉ ኼንብብ ይጅምር። ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሰብ ነታ መጽሔት ኪርእያ ኸም ዝጀመረ እንተ ኣስተብሂሉ፡ ሕቶ ይሓቶ ወይ ብዛዕባ እታ ዓንቀጽ ኣሕጽር ኣቢሉ ይገልጸሉ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ዝርርብ ኪጅምርን ምስክርነት ኪህብን ከኣለ። ንሓደ ኻብ ጽሑፋትና፡ ኪርአ ኣብ ዚኽእል ቦታ እንተ ኣቐሚጥናዮ፡ ኣቓልቦ መሳርሕትና ዀነ መማህርትና ኺስሕብን ብዛዕባኡ ንኺሓቱ ኺድርኾምን ይኽእል እዩ።
9 ኣጋጣሚታት ፍጠር፦ ዕዮ ስብከት ኣዝዩ ህጹጽ ስለ ዝዀነ፡ ብወዝቢ ጥራይ ኣይኰንናን ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክንህብ ዘሎና። ኣብ ክንዳኡስ፡ መዓልታዊ ንጥፈታትና ኽንገብር ከለና፡ ምስክርነት ክንህብ ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ክንፈጥር ኣሎና። ብዛዕባ እቶም እትረኽቦም ሰባትን ብኸመይ ዝርርብ ክትጅምር ከም እትኽእልን ኣቐዲምካ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስን ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ዚኸውን ጽሑፋትን ተማላእ።—1 ጴጥ. 3:15።
10 ብዙሓት ኣስፋሕቲ እተፈላለየ መገድታት ተጠቒሞም፡ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንኺህቡ ዜኽእሎም ኣጋጣሚታት ፈጢሮም እዮም። ሓንቲ ብጽኑዕ ኣብ ዚሕሎ ኣፓርታማ እትነብር ሓብቲ፡ ኣብቲ እቶም ነበርቲ ንምዝንጋዕ ዚጥቀሙሉ ቦታ፡ ምልኩዕ ናይ ተፈጥሮ ስእሊ ተቐምጥ እያ። ሰባት ብዛዕባ ጽባቐ እቲ ስእሊ ኺዛረቡ ምስ ጀመሩ፡ እታ ሓብቲ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒማ ዝርርብ ትጅምር፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ን“ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” ዚምልከት መብጽዓ ድማ ትነግሮም። (ራእ. 21:1-4) ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ክትፈጥሮ እትኽእል ካልእ ኣጋጣሚታት ክትጠቅስዶ ትኽእል፧
11 ነቲ እተረኽበ ተገዳስነት ተኸታተሎ፦ ሰማዒት እዝኒ እንተ ረኺብካ፡ ነቲ ተገዳስነት ተኸታተሎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሰብ፡ “ብምዝርራብና ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። እንደገና ንኽንመያየጥ ኣበይ ክረኽበካ እኽእል፧” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኸኣ ኣድራሻኦምን ቍጽሪ ተሌፎኖምን ብምሃብ፡ “ብምዝርራብና ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ብዛዕባ እዚ እተዘራረብናሉ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ በዚ ኣድራሻ እዚ ኽትረኽበኒ ትኽእል ኢኻ” ይብሉ። ነቲ እተረኽበ ተገዳስነት ባዕልኻ ኽትከታተሎ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) ዚበሃል ፎርም መሊእካ፡ ብቕልጡፍ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትህቦ ኣሎካ።
12 ነቲ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኣብ ምምስካር እነሕልፎ ግዜ፡ ጸብጻብ ክንህበሉ ኣሎና። ስለዚ፡ ሒደት ደቓይቕ እውን እንተ ዀነ፡ መዝግቦ። ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ንሓሙሽተ ደቒቕ እንተ መስኪሩ፡ ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 17 ሚልዮን ሰዓት ኣገልጊሎም ማለት እዩ።
13 ብዘይወግዓዊ መገዲ እንምስክረሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንኣምላኽን ንብጻይናን ስለ እነፍቅር እዩ። (ማቴ. 22:37-39) ንባህርያትን ዕላማን የሆዋ ዘሎና ልባዊ ሞሳ፡ ብዛዕባ ‘ኽብሪ መንግስቱ’ ንኽንዛረብ ይድርኸና። (መዝ. 145:7, 10-12) ንብጻይና ናይ ሓቂ ተገዳስነት ስለ ዘሎና፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነካፍል ኢና። (ሮሜ 10:13, 14) ኣቐዲምና እንተ ሓሲብናሉን እንተ ተዳሊናን፡ ኵልና ብዘይወግዓዊ መገዲ ኽንምስክርን ንሓደ ቕኑዕ ዝልቡ ሰብ ብዛዕባ ሓቂ ብምንጋር ዚርከብ ሓጐስ ክንዓጽድን ንኽእል ኢና።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
1. (ሀ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዘይወግዓዊ መገዲ ተመስኪሩልኩም ብዛዕባ ሓቂ ዝፈለጥኩም ኽንደይ ኢኹም፧
2. ዘይወግዓዊ ምስክርነት ብምሃብ ዝመጸ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ኣብነታት ተጠቒሱ ኣሎ፧
3. ነቲ ዚስምዓና ሕንከት ንኽንዋጽኣሉ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
4. ከመይ ዝበለ ሸቶ ኢና ኸነውጽእ እንኽእል፧ ስለምንታይከ፧
5. ሓንቲ ሓናኽ ሓብቲ ብዘይወግዓዊ መገዲ ንኽትምስክር ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧
6. ብኸመይ ኢና ብዘይወግዓዊ መገዲ ዝርርብ ክንጅምር እንኽእል፧
7. ኣስተብህሎ ብዘይወግዓዊ መገዲ ንኽንምስክር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
8. ንጽሑፋትና ተጠቒምና ዝርርብ ክንጅምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
9, 10. (ሀ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚታት ክንፈጥር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ከምዚ ኽትገብር ዝኸኣልካ ብኸመይ ኢኻ፧
11. ነቲ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኽንምስክር ከለና እንረኽቦ ተገዳስነት ብኸመይ ክንከታተሎ ንኽእል፧
12. (ሀ) ነቲ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኣብ ምምስካር እነሕልፎ ግዜ ኽንምዝግቦን ጸብጻብ ክንህበሉን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት እንታይ ፍረ እዩ ዘለዎ፧ (ነታ “ዘይወግዓዊ ምስክርነት ዘለዎ ፍረ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
13. ብዘይወግዓዊ መገዲ ንኽንምስክር ኪድርኸና ዚግብኦ እንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ምስ ሰባት ተራኺብካ ዝርርብ ጥራይ ንምጅማር ሸቶ ምውጻእ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ብዙሓት ኣስፋሕቲ እተፈላለየ መገድታት ተጠቒሞም፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ ንኺምስክሩ ዜኽእሎም ኣጋጣሚታት ፈጢሮም እዮም
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]
ዝርርብ ንምጅማር ዚሕግዝ ሓሳባት
◼ ጸሊ
◼ ፍሽሑዋትን ህዱኣትን ሰባት ምረጽ
◼ ናብቲ ሰብ ጠምት፡ ፍሽኽ በል፡ ብዛዕባ ሓባራዊ ጕዳይ ድማ ተዛረብ
◼ ጽን ኢልካ ስማዕ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ዘይወግዓዊ ምስክርነት ዘለዎ ፍረ
• ሓደ ሓው ማኪናኡ ኽሳዕ እትዕረ ኣብ ጋራዥ ኪጽበ ኸሎ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ መስከረሎም፣ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ናብ ዚቐርብ ህዝባዊ መደረ ዚዕድም ወረቐት ዕድመ ኸኣ ሃቦም። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ሓደ ኼለልዮ ዘይከኣለ ሓው መጺኡ ሰላም በሎ። እዚ ሓው እዚ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ጋራዥ ወረቐት ዕድመ እተዋህቦም ሰባት እዩ ነይሩ። ነቲ ህዝባዊ መደረ ኺሰምዕ ከደ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ኸኣ ሓተተ፣ ሕጂ ንሱን ሰበይቱን ተጠሚቖም እዮም።
• ሓንቲ ብዘይወግዓዊ ምስክርነት ሓቂ ዝፈለጠት ሓብቲ፡ ነቶም ብደቃ ኣቢላ እትረኽቦም ሰባት ከም ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ክሊ ገይራ እያ እትርእዮም። እዚ ኽሊ እዚ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ኣኼባ ወለዲ ንእትረኽቦም ጐረባብትን ወለዲ እቶም ተመሃሮን ዜጠቓልል እዩ። ንርእሳ ኸተፋልጥ ከላ፡ ደቃ ንኸተዕቢ ዝሓገዛ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ናብ ካልእ ጕዳይ ትሰግር። በዚ ኸምዚ ዝርርብ ስለ እትጅምር፡ ጸኒሓ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጠቅስ ቀሊል ይዀነላ። ነዚ ሜላ እዚ ተጠቒማ፡ 12 ሰባት ኣብ ጥምቀት ኪበጽሑ ሓገዘት።
• ሓንቲ ሓብቲ ናይ መድሕን ሰራሕተኛ ናብ ቤታ ምስ መጸ፡ ነቲ ኣጋጣሚ፡ ምስክርነት ንምሃብ ተጠቕመትሉ። ጽቡቕ ጥዕናን ሓጐስን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ኪረክብ ይደሊ እንተ ዀይኑ ሓተተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ከምኡ ኺረክብ ከም ዚደልን ብዛዕባ ኣየናይ መድሕን ትዛረብ ከም ዘላን ሓተታ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓ ኣርኣየቶ፡ ሓደ ኻብ ጽሑፋትና ሃበቶ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ምሸት ኣንቢቡ ወድኦ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብርን ናብ ኣኼባታት ኪኸይድን ጀመረ፣ ጸኒሑ ድማ ተጠምቀ።
• ሓንቲ ሓብቲ ብነፋሪት ክትጐዓዝ ከላ፡ ንሓንቲ ኣብ ጥቓኣ ዝነበረት ሰበይቲ መስከረትላ። ኣብ መዓርፎ ነፋሪት ምስ በጽሓ፡ እታ ሓብቲ ነታ ሰበይቲ ኣድራሻኣን ቍጽሪ ተሌፎናን ሃበታ፣ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ተራኺባ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ድማ ኣተባብዓታ። ንጽብሒቱ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤት እታ ሰበይቲ መጻ። እታ ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት፡ ቅልጡፍ ዕቤት ገይራ ኸኣ ተጠምቀት፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ንሳ ባዕላ ሰለስተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ጀመረት።
• ሓደ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚነብር ወዲ 100 ዓመት ዓይነ-ስውር ሓው፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ተድልየና እያ” እናበለ ብተደጋጋሚ እዩ ዚዛረብ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ኣለይቲ ሕሙማት ኰኑ እቶም ሕሙማት፡ ሕቶታት ኪሓትዎ ጀመሩ፣ እቲ ሓው ድማ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኪገልጽ ኸኣለ። ሓንቲ ኣብኡ እትሰርሕ ሰበይቲ፡ ኣብ ገነት እንታይ ከም ዚገብር ሓተተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “እንደገና ኽርእን ብእግረይ ክኸይድን ነዛ ብሽክለታ ስንኩላን ከንድዳን እየ” ኢሉ መለሰላ። ዓይነ-ስውር ስለ ዝዀነ፡ መጽሔታት ከተንብበሉ ሓተታ። ጓሉ ኽትበጽሖ ኢላ ምስ መጸት፡ እታ ሰራሕተኛ ንጓሉ ነቲ መጽሔታት ናብ ቤታ ሒዛቶ ኽትከይድ ትኽእል እንተ ዀይና ሓተተታ። ካልእ ኣላዪት ሕሙማት ድማ፡ “ኣብዚ መናበዪ ኣረጋውያን፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ተድልየና እያ’ ዚብል ሓድሽ ጭርሖ ኣውጺእና ኣለና” በለታ።
• ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ቤት ምግቢ ሪጋ ሒዛ ኸላ፡ እተወሰኑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡት ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኪዘራረቡ ሰምዐት። ሓደ ኻብቶም ሰብኡት፡ መንግስቲ ንጸገማቶም ከም ዘይፈትሖ ተዛረበ። እታ ሓብቲ፡ ‘ነዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ኽጥቀመላ ኣሎኒ’ ኢላ ሓሰበት። ኣሕጽር ኣቢላ ድሕሪ ምጽላይ፡ ናብኦም ከደት። ገዛእ ርእሳ ምስ ኣፋለጠት፡ ብዛዕባ እታ ንጸገማት ደቂ ሰብ እትፈትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ነገረቶም፣ ሓንቲ ብሮሹር ድማ ኣበርከተትሎም። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ሓላፊ እቲ ቤት ምግቢ መጸ። ካብቲ ቤት ምግቢ ዜባርራ መሲልዋ ነበረ። ንሱ ግን፡ ይሰምዖም ከም ዝነበረን ንዕኡ እውን ብሮሹር ክትህቦን ሓተታ። ነዚ ዅሉ ትሰምዕ ዝነበረት ሓንቲ ሰራሕተኛ እውን፡ እናነብዐት ናብታ ሓብቲ መጸት። እታ ሰራሕተኛ ቕድሚኡ መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ነበረት፡ ሕጂ ድማ መጽናዕታ ኽትቅጽል ደለየት።