ኵሉ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና
1. ካብቲ የሱስ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ዔላ ኸም ዝመስከረላ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
1 የሱስ ንሰዓታት ስለ እተጓዕዘ፡ ደኺሙን ጸሚኡን ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ምግቢ ኺዕድጉ ምስ ከዱ ድማ ንኼዕርፍ ኢሉ ኣብ ሓደ ኻብ ከተማ ሰማርያ ውጽእ ኢልካ ዚርከብ ዔላ ኾፍ በለ። ናብዚ ቦታ እዚ ንኺሰብኽ ኢሉ ኣይኰነን መጺኡ፣ የግዳስ፡ ናብ ገሊላ ኸይዱ ኣገልግሎቱ ኪቕጽል እዩ ዚሓልፍ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ንሓንቲ ማይ ክትቀድሕ ዝመጸት ሰበይቲ መስከረላ። (ዮሃ. 4:5-14) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” የሆዋ ኻብ ምዃን ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። (ራእ. 3:14) ንሕና እውን ኵሉ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ንኣብነቱ ኽንቀድሖ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 2:21።
2. ብዘይወግዓዊ መገዲ ንኽንምስክር ክንዳሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ድሉው ኩን፦ ጽሑፋት ካባና ብዘይምፍላይ ብዘይወግዓዊ መገዲ ንኽንምስክር ድሉዋት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብዙሓት ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ መዐደል ነዳዲ፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታ ንዚረኽብዎም ሰባት ትራክት የበርክቱሎም። (መክ. 11:6) ሓንቲ ብተደጋጋሚ እትጐዓዝ ሓብቲ፡ ኵሉ ግዜ ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስን ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍን ኣብ ቦርሳኣ ትማላእ ነበረት፣ ምስቶም ኣብ ጐድና ኾፍ ዚብሉ ሰባት ምይይጥ ክትጅምር ከኣ ትጽዕር።
3. ምይይጥ ክንጅምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ምይይጥ ጀምር፦ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኽንምስክር ከለና፡ ንምይይጥና ናይ ግድን ብቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ክንጅምሮ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። የሱስ ነቲ ምስታ ሰበይቲ ዝገበሮ ምይይጥ፡ ንሱ እቲ መሲሕ ከም ዝዀነ ብምንጋር ኣይኰነን ጀሚርዎ። የግዳስ፡ ዚስተ ማይ ክትህቦ እዩ ሓቲትዋ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ንኽትፈልጥ ዘለዋ ህንጥዮት ኣለዓዓሎ። (ዮሃ. 4:7-9) ሓንቲ ሓብቲ፡ በቲ ዝሓለፈ በዓል ተሓጒሳ እንተ ዀይና ሕቶ ኪቐርበላ ኸሎ፡ ምይይጥ ንምጅማር ተመሳሳሊ ዓይነት ኣቀራርባ እያ እትጥቀም። ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃና ኣብቲ በዓል ከም ዘይተኻፈለት ኣብ ክንዲ እትገልጽ፡ “ነቲ በዓል ከየብዕል ብሕታዊ ውሳነ ገይረ እየ” ኢላ ትምልሰሎም። እቲ ዝያዳ ኺፈልጥ ዚደሊ ሰብ፡ ‘ስለምንታይ፧’ ኢሉ ይሓትት፣ እዚ ድማ እታ ሓብቲ ምስክርነት ንኽትህብ ኣጋጣሚ ይኸፍተላ።
4. ማቴዎስ 28:18-20 ኣዝያ እትድርኸካ ስለምንታይ እያ፧
4 የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ እኳ እንተ ዛዘመ፡ ብዛዕባ እቲ ዚካየድ ዘሎ ዕዮ ስብከት ግን ኣዝዩ ይግደስ እዩ። (ማቴ. 28:18-20) ስለዚ፡ ልክዕ ከምቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ፡ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ብዛዕባ እምነትና ብግልጺ እንዛረብ መሰኻኽር ኢና።—እብ. 10:23።