14 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
14 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26 (212)
❑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 290 ሕ.ጽ. 1–ገጽ 293 ሕ.ጽ. 10
❑ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እያሱ 6-8
ቍ.1፦ እያሱ 8:1-17
ቍ. 2፦ ዓለም ብማይ ጠፍአት—ብሕጂኸ ኽትጠፍእ ድያ፧ (lr ምዕ. 46)
ቍ. 3፦ እቲ ኣብ መክብብ 7:21, 22 ዘሎ ምኽሪ ግብራዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
❑ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 7 (51)
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ብኸመይ ክጣበቐሉ እኽእል፧ ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 297-303 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ወለዲ ነቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገብሩሉ ምሸት ተጠቒሞም፡ ውሉዶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዜጋጥሞ ሕቶታት ብኸመይ ኪምልሰሉ ኸም ዚኽእል ኪዳለዉ ኸለዉ ዜርኢ መርኣያ እውን ኣቕርብ። ነተን ኣብ ገጽ 302 ዚርከባ ሓሳባት ተጠቒሞም ምርምር ይገብሩን ይመያየጡሉን፣ ድሕሪኡ፡ እቲ ውሉድ ብኸመይ መርትዖ ከም ዜቕርብ ልምምድ ይገብሩ።
15 ደቒቕ፦ “ብህጹጽ ስበኽ!” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ። ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 4 ምስ በጻሕኩም፡ ንሓደ ቕንኣት ዘለዎ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ብምሕታት ቃለ-መጠይቕ ግበረሉ፦ ንገዛእ ርእስኻ በዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዘየድሊ ነገራት ጾር ንኸይተሰክማ እንታይ ስጕምትታት ወሲድካ፧ ብህጹጽ ምስባኽካ እንታይ ጥቕምታት ኣምጺኡልካ፧
መዝሙር 18 (162)