መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳር
“ስድራ ቤታት እናሓደረ ዚውስኽ ጸቕጢ ዜጋጥመን ዘሎ እየን ዚመስላ። ኣባላት ስድራ ቤት ከምዚ የሱስ ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ዜንጸባርቓ ብኸመይ ዚጽለዋ ይመስለካ፧ [ማቴዎስ 20:28 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ስድራ ቤታት ካብ የሱስ ኪመሃራኦ ዚኽእላ ሓሙሽተ ትምህርትታት ትዝርዝር።” ኣብ ገጽ 16 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! November
“ንሃይማኖት ከም ምንጪ ፍቕርን ሰላምን ጌርካ ዲኻ እትርእዮ ወይስ ከም ጠንቂ ጽልእን ዓመጽን፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት ነቲ የሱስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ግብሪ ዘየውዕልዎ ዘለዉ እዩ ዚመስል። [ማቴዎስ 5:44, 45 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘ንጸላኢኻ ኸተፍቅር ትኽእል ዲኻ፧’ ንእትብል ሕቶ ኽትምልሳ እያ።” ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ
“ሓደ መዓልቲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ መከራ ዜጥፍኦዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ተስፋ ዚህብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓ እሞ ኣስተህለሉ። [ሓንቲ ኻብተን ኣብ ገጽ 7 ኣብ ዘላ ሳጹን እተጠቕሳ ጥቕስታት ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ዜጥፍኣሉ ግዜን መገድን እንታይ ከም ዚብል ክትገልጸልካ እያ።”
Awake! December
“ገሊኦም ሰባት፡ እዚ ዩኒቨርስ ከም እተፈጥረ እዮም ዚኣምኑ፣ ገሊኦም ከኣ ብሃንደበት ዝመጸን ዋላ ሓንቲ ዕላማ ዘይብሉን ኰይኑ ይስምዖም። ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ ዘሎካ ርእይቶ እንታይ እዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እሞ ኣስተብህል። [እብራውያን 3:4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ ምንጭን ዕላማን እዚ ዩኒቨርስ ርትዓዊ ዝዀነ መግለጺ ትህብ።”