ብህጹጽ ስበኽ!
1. ኣየናይ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት እዩ ኣብዚ ግዜና ኣቓልቦ ዜድልዮ፧
1 ‘ነቲ ቓል [“ብህጹጽ፡” NW] ስበኽ።’ (2 ጢሞ. 4:2) እዚ ጳውሎስ ዝሃቦ ምሕጽንታ ኣብዚ ግዜና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዘን ቃላት እዚኣተን ንህይወትናን ንህይወት ካልኦትን ዚጸልዋ ብኸመይ እየን፧
2. ነቶም ብስራት ዘይሰምዑ ሰባት ብትግሃት እነናድዮም ስለምንታይ ኢና፧
2 ንህይወት ሰባት ዚትንክፍ ጕዳይ፦ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ገና ነቲ ናብ ድሕነት ኪመርሖም ዚኽእል ብስራት ኪሰምዑ ኣለዎም። (ሮሜ 10:13-15፣ 1 ጢሞ. 4:16) መብዛሕትኦም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ከኣ ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተዓየየ ኽሊ እዮም ዚርከቡ። ኣብ እተፈላለየ መዓልትታት ወይ ኣብ እተፈላለየ ሰዓታት ካብ ቤት ናብ ቤት እንተ ኼድና፡ እተፈላለዩ ሰባት ክንረክብ ንኽእል ንኸውን። በዚ ኸምዚ ብትግሃት ንሰባት ነናዲ እንተ ዄንና፡ ጽሩይ ሕልና ይህልወና ካብ ደም ካልኦት ከኣ ንጹሃት ንኸውን።—ግብ. 20:26።
3. ኣብ ኣገልግሎት ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብርቱዕ ምጽራር እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ‘ንየሩሳሌም ብትምህርቶም መልእዋ።’ (ግብ. 5:28) ንሕናኸ ‘ብእተማልአ መገዲ ንኽንምስክር’ ቈሪጽና ዲና፧ (ግብ. 10:42 NW) ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከለና፡ ንግዜና ብጥበብ ንጥቀመሉ ዲና፧ ካልኦት ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ኸለዉ፡ ተበግሶ ወሲድና በቲ ኸባቢ ንዚሓልፉ ሰባት ንምስክረሎም ዲና፧
4. ብህጹጽ ምስባኽ ንቑሓት ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
4 ንቑሕ ኩን፦ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። (1 ተሰ. 5:1-6) ብዛዕባ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋ ብቐጻሊ ንዛረብ እንተ ዄንና፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ብጭንቀት ከይንወሓጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 21:34-36) ንመዓልቲ የሆዋ ‘ነቀላጥፋ’ ወይ ኣቕሪብና ንርእያ እንተ ዄንና ድማ ኣብቲ ንህይወት ሰባት ዜድሕን ዕዮ ብዝያዳ ንኽንካፈል ኪድርኸና እዩ።—2 ጴጥ. 3:11, 12።
5. ንህይወት ዘሎና ኣኽብሮት ንኽንሰብኽ ዚድርኸና ብኸመይ እዩ፧
5 የሆዋ፡ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡” ብህጹጽ ክንሰብኽ ከለና ነቲ ንሱ ንህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ኢና እንቐድሖ። (2 ጴጥ. 3:9፣ ህዝ. 33:11) እምበኣር፡ ንየሆዋ ውዳሰ ምእንቲ ኸነምጽኣሉ፡ ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባት ንምርካብ ዚከኣለና ዘበለ ንግበር!—መዝ. 109:30።