ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ድሉው ዲኻ፧
1. ዘይወግዓዊ ምስክርነት ውጽኢታዊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዜርኢ እንታይ ኣብነት እዩ፧
1 ዘይወግዓዊ ምስክርነት ኣዝዩ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽቡቕ ፍረ እተረኽበሉ ሓያሎ ኣብነታት ዘይወግዓዊ ምስክርነት ተጠቒሱ ኣሎ። (ዮሃ. 4:7-15) ነዚ ዓይነት ምስክርነት እዚ ንምድላው እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
2. ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን፡ ምስክርነት ንኽንህብ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
2 ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን፦ ንኣከዳድናናን ንኣመለኻኽዓናን ወትሩ ግቡእ ቈላሕታ ምግባርና፡ ከይተሰከፍና እምነትና ንኻልኦት ንኸነካፍል የኽእለና። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ብዛዕባ ትርኢትና ንስከፍ እንተ ዄንና፡ ምስክርነት ንምሃብ ኣይንለዓዓልን ኢና። ብኣንጻሩ ግን፡ ጽፉፋትን ጽሩያትን ምስ እንኸውን፡ ካልኦት ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ ሃንቀውታ ኺሓድሮም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብግቡእ እተኸድኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ኪጐዓዙ ኸለዉ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ኣስላማይ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ትርኢቶም ስለ ዘስተብሃለሉ፡ ክርስትያናት እንተ ዀይኖም ሓተቶም። ካብዚ ተበጊሶም፡ ንሰለስተ ሰዓት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ገበሩ።
3. ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ከመይ ጌርካ ዝርርብ ከተጀምር ክኢልካ፧
3 ዝርርብ ምጅማር፦ የሱስ ኣብ ዔላ ያእቆብ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ምስ ተራኸበ፡ ማይ ከተስትዮ ብምሕታት እዩ ዝርርብ ጀሚሩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ሓጺር ሓሳብ ብምሃብ ወይ ቀላል ሕቶ ብምሕታት ዝርርብ ከነጀምር ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ ኽንወላወል ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ ሓገዝ የሆዋ ብምምርኳስ ግን፡ ዝርርብ ንምጅማር ‘ክንተብዕ’ ንኽእል ኢና።—1 ተሰ. 2:2።
4. ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ከመይ ጌርካ ድሉው ክትከውን ትኽእል፧
4 ኣጋጣሚታት ምፍጣር፦ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ዚህቡሉ መገድታት ይረኽቡ እዮም። ኵነታትካ መርምሮ፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ብዛዕባ እትረኽቦም ሰባት ከኣ ሕሰብ። ንዓታቶም ዚኸውን ጽሑፍን ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስን ምሳኻ ተማላእ። መስተብሃሊ ኹን፡ ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰባት እውን ተገደሰሎም። ኣብታ መዓልቲ ኼጋጥመካ ብዛዕባ ዚኽእል ኣጋጣሚታት እንተ ሓሲብካ፡ ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ድሉው ክትከውን ትኽእል ኢኻ።—ፊል. 1:12-14፣ 1 ጴጥ. 3:15።
5. ዘይወግዓዊ ምስክርነት ብወዝቢ ጥራይ ኪወሃብ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
5 ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ እንረኽቦ ኣጋጣሚታት ንኽንጥቀመሉ ዚድርኸና ኽልተ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘሎና ፍቕሪ እዩ። (ማቴ. 22:37-39) ዕዮ ስብከት ብህጹጽ ኪዕየ ዘለዎ ዕዮ ስለ ዝዀነ፡ ብወዝቢ ጥራይ ኣይኰንናን ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክንህብ ዘሎና። ግዜ ኸሎ፡ ነቲ ዝረኸብናዮ ዘበለ ግቡእ ኣጋጣሚ ተጠቒምና፡ ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነካፍሎም ድሉዋት ክንከውን ኣሎና።—ሮሜ 10:13, 14፣ 2 ጢሞ. 4:2።