ንሰብኡት ንምምስካር ዜጋጥመና ብድሆ ንስገሮ
1. ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምእላይ ዝመጸ፡ እንታይ ነገር ብህጹጽ የድሊ ኣሎ፧
1 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እናወሰኸ ኪኸይድ ከሎ፡ መሪሕ ግደ ዚህልዎም ብመንፈስ ብቑዓት ዝዀኑ ሰብኡት ብህጹጽ የድልዩ ኣለዉ። (ማር. 4:30-32፣ ግብ. 20:28፣ 1 ጢሞ. 3:1-13) ኰይኑ ግን፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበሉ ሰብኡት፡ ካብ ኣንስቲ ይውሕዱ እዮም። ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ንመንፈሳዊ ጕዳያትን ንውሉዳት ዚወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርትን ናይ ኣንስቲ ዕዮ ኸም ዝዀነ ጌርካ ይርአ እዩ። ዝያዳ ሰብኡት መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ተገንዚቦም ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኺሓብሩና ብኸመይ ከነተባብዖም ንኽእል፧
2. ጳውሎስን ጴጥሮስን ንሰብኡት ንምምስካር ዝገበርዎ ጻዕሪ ጽቡቕ ፍረ ዘፍረየ ብኸመይ እዩ፧
2 ንሰብኡት ነተኵረሎም፦ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ሓቂ እንተ ተቐቢሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻልኦት ኣባላት ስድራኡ እውን ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ይሓብርዎ እዮም። ንኣብነት፡ ጳውሎስን ሲላስን ብምኽንያት ስብከቶም ተኣሲሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንሓደ ሓላው እሱራት መስከሩሉ። እቲ ሰብኣይ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። (ግብ. 16:25-34) ከም ውጽኢት እቲ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ዝገበሮ ስበከት ከኣ፡ “ክሪስጶስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት . . . ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ አመነ።” (ግብ. 18:8) የሆዋ ንጴጥሮስ፡ ነቲ ‘ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን’ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሓለቓ ሚእቲ ኺምስክረሉ ለኣኾ። ቆርኔሌዎስን ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን ድማ ተጠምቁ።—ግብ. 10:1-48።
3. ኣብነት ፊልጶስ ብምስዓብ፡ ንኸመይ ዝበሉ “ሰብ ሥልጣን” ኢና ኽንምስክረሎም እንኽእል፧
3 ንደቂ ተባዕትዮ “ሰብ ሥልጣን” ዚወሃብ ምስክርነት፡ ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 2:1, 2 ትርጕም 1990) ንኣብነት፡ መልኣኽ የሆዋ ንፊልጶስ፡ ነቲ ኣብ ንግስቲ ኢትዮጵያ “ስልጡን” ኣዛዝ ኵሉ ገንዘባ ዝነበረ ሰብኣይ ኬዛርቦ መምርሒ ሃቦ። ፊልጶስ ነቲ ሰብኣይ ‘ትንቢት ኢሳይያስ ኬንብብ’ ከሎ ሰምዖ፡ ብዛዕባ የሱስ ድማ ብስራት ገለጸሉ። እቲ ኢትዮጵያዊ ወደ መዝሙር ኰነ፡ ናብ ዓዱ ኺምለስ ከሎ ኸኣ ነቲ ብስራት ነጊሩ ኪኸውን ኣለዎ። ነታ ንግስትን ነቶም ኣብ ቤተ-መንግስታ ዝነበሩ ሰባትን እውን መስኪሩሎም ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብኻልእ መገዲ ነቲ ብስራት ንኺሰምዑ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣይምረኸቡን ነይሮም።—ግብ. 8:26-39።
4. ሰብኡት ነቲ ብስራት ንኺሰምዑ ዝያዳ ኣጋጣሚታት ክንከፍተሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ብኸመይ ዝያዳ ሰብኡት ከም እንረክብ፦ መብዛሕትኡ ግዜ ሰብኡት ቀትሪ ናብ ስራሕ ስለ ዚወፍሩ፡ ምስ መሰየ፡ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ፡ ወይ ኣብ በዓላት ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንምሕላፍ ምትዕርራያት ክንገብር ንኽእልዶ፧ ኣብ ቦታታት ስራሕ ኣዘውቲርና እንተ ኣገልጊልና፡ ነቶም ብብዝሒ ኣብ ቤቶም ዘይርከቡ ሰብኡት ንኽንምስክር ተወሳኺ ኣጋጣሚታት ክንረክብ ኢና። ኣሕዋት እውን ንመሳርሕቶም ብዘይወግዓዊ መገዲ ንምምስካር ፍሉይ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብቲ ብዙሕ ዚዕየ ኽልታት፡ ኣሕዋት ሓሓሊፎም ንሰብኣይ እታ ቤት ኬዘራርቡ ኸም ዚደልዩ ኺገልጹ ይኽእሉ እዮም።
5. ሓንቲ ሓብቲ፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበል ሰብኣይ ምስ ዜጓንፋ፡ ነቲ ነገር ብኸመይ ክትሕዞ ይግባእ፧
5 ሓንቲ ሓብቲ፡ ንሓቂ ብጽቡቕ እተቐበለ ሰብኣይ እንተ ኣጓኒፍዋ፡ በይና ተመሊሳ ኽትበጽሖ የብላን። ንሰብኣያ ወይ ንኻልእ ኣስፋሒ ተማሊኣ ኽትከይድ ትኽእል እያ። እቲ ተገዳሲ ዕቤት እናገበረ ምስ ከደ፡ ብሓፈሻኡ ንብቑዕ ሓው እንተ ኣረከበቶ ይሓይሽ።
6. ‘ብዙሓት ምእንቲ ኽንረብሕ፡’ ንሃዋርያ ጳውሎስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧
6 ንሰብኡት ዜገድሶም ጕዳያት ንምረጽ፦ ጳውሎስ፡ ‘ብዙሓት ምእንቲ ኺረብሕ’ ኢሉ ንሰማዕቱ ኣብ ግምት ኣእትዩን ንኣቀራርባኡ ኸከም ኣድላይነቱ ቐያይሩን እዩ። (1 ቈረ. 9:19-23) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቶም እንረኽቦም ሰብኡት ኬገድሶም ዚኽእል ጕዳያት ኣብ ግምት ከነእቱን ኣብኡ ተመርኲስና ኽንዳሎን ኣሎና። ንኣብነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቝጠባዊ ጸገማት፡ ጽቡቕ ምምሕዳር፡ ከምኡውን ድሕንነትን ውሕስነትን ስድራ ቤት ንሰብኡት ዜገድሶም ጕዳያት እዩ። ዕላማ ህይወትን መጻኢ ምድርን ኣምላኽ መከራ ዝፈቐደሉ ምኽንያትን እውን ኬገድሶም ይኽእል እዩ። ኣብ ኣቀራርባና ነዚ ጕዳያት እዚ እንተ ተጠቒምናሉ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ተቐባልነት ኪህልዎ እዩ።—ምሳ. 16:23።
7. ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ኣብቶም ናብ ኣኼባ ዚመጹ ዘይኣመንቲ ሰብኡት ኣወንታዊ ጽልዋ ኺህልዎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
7 ንዘይኣመንቲ ሰብኡት ንምሕጋዝ ጻዕሪ ንግበር፦ መብዛሕትኡ ግዜ ክርስትያናት ኣሓትና ዘለወን ጽቡቕ ኣኻይዳ ኣብ ዘይኣመንቲ ሰብኡተን ዓብዪ ጽልዋ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኣባላት ጉባኤ እውን ኣወንታዊ ጽልዋ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 3:1-4) ሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣሰንይዋ ናብ ኣኼባ እንተ መጺኡ፡ እቲ ኣብ ጉባኤ ዚረኽቦ ጽቡቕ ኣቀባብላ ሓያል ምስክርነት ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ናብ ኣኼባ ምምጻኡ ጥራይ ኣብ ሓቂ እተወሰነ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ዜርኢ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እውን ፍቓደኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
8. ኣሕዋት፡ ቍሩብ ተገዳስነት ንዘርኣዩ ዘይኣመንቲ ሰብኡት ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧
8 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ገሊኦም ሰብኡት ኣብ ፈለማ ብዙሕ ተገዳስነት እኳ እንተ ዘየርኣዩ፡ ጸኒሖም ግን ምስ ሓደ ፍዅስ ዚብሎም ሓው ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምይያጥ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋት ንሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ሓሓሊፎም ኪበጽሕዋ ኸለዉ፡ ምስቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ዜገድሶ ነገራት ኪመያየጡ ጻዕሪ ገበሩ። እዚ ነገር እዚ ድሕሪ ግዜ ናብ መንፈሳዊ ምይይጥ ኣምርሐ፣ ሕጂ እቲ ሰብኣይ ጥሙቕ እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ሓው ንሓደ ምቕሉል ዘይኣማኒ ሰብኣይ፡ ሓጹር ቤቱ ንኺሰርሕ ሓገዞ። በዚ ኸምዚ ብሕታዊ ተገዳስነት ስለ ዘርኣዮ ኸኣ፡ እቲ ሰብኣይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። (ገላ. 6:10፣ ፊል. 2:4) ክርስትያን ሓው እንተ ዄንካ፡ ንዘይኣመንቲ ሰብኡት ንምሕጋዝ ስለምንታይ ጻዕሪ ዘይትገብር፧
9. ንክርስትያን ሰብኡት ዚወሃብ ስልጠና እንታይ ፍረ ኺህልዎ ይኽእል፧
9 ንመጻኢ ምስልጣን፦ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበሉን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓላፍነት ንምስካም ዚመጣጠሩን ሰብኡት፡ “ውህበት” ማለት ክእለቶምን ጕልበቶምን ንጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ንምግልጋል ዜውዕሉ ክርስትያን ሽማግለታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌ. 4:8፣ መዝ. 68:18) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡት ንጉባኤ ብፍታውን ብታሕጓስን ይጓስዩ እዮም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) እዝስ ንዓለምለኻዊ ሕውነት ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!
10. ሃናንያ ንጳውሎስ ንምሕጋዝ ዝገበሮ ጻዕሪ ንብዙሓት ዝጠቐመ ብኸመይ እዩ፧
10 ንኣብነት፡ ሳውል ኣብ ሓደ እዋን ሰጓጕ ክርስትያናት እኳ እንተ ነበረ፡ ጸኒሑ ግን “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ኰነ። (ሮሜ 11:13) ሃናንያ ዚበሃል ወደ መዝሙር ነቲ ሳውል ዝነበሮ ዅነታት ስለ ዝፈለጠ፡ ኣብ ፈለማ ኺምስክረሉ ኣይደለየን ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ጐይታ እተዋህቦ መምርሒ ስዒቡ ነቲ ሰብኣይ ኣዘራረቦ፣ ንሱ ድማ ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ። ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ጳውሎስ ዝገበሮ ኣገልግሎት፡ ኪሰብኽ ንዝሰምዕዎ ኣሽሓት ሰባት ኰነ፡ ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽትታት ንዚርብሑ ሚልዮናት ሰባት ጠቐመ።—ግብ. 9:3-19፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17።
11. ንሰብኡት ንምምስካር ዚከኣለና ዘበለ ምትዕርራያት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
11 ስለዚ፡ ንሰብኡት ንምምስካር ዜጋጥመና ብድሆ ምእንቲ ኽንሰግሮ፡ ዚከኣለና ዘበለ ምትዕርራያት ንግበር። ነዚ ሸቶ እዚ እንተ ስዒብና፡ የሆዋ ነቲ ፍቓዱ ንምግባርን ንረብሓታት መንግስቱ ንምድንፋዕን ብትግሃት እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።