ንዘይኣማኒ መጻምድቲ ሓቂ ንኺፈልጥ ክትሕግዞ ትኽእልዶ፧
1 ገሊኦም ኣብ ጉባኤኹም ዘለዉ ኣስፋሕቲ፡ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ወይ ዘይኣማኒት ሰበይቲ ኣለውዎምዶ፧ እዞም ኣስፋሕቲ እዚኣቶም፡ መጻምድቶም ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስኦም ኪሓብሩ ኸም ዚደልይዎም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሳቶም ጥራይ ኣይኰኑን ግን ከምኡ ዚደልዩ። ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ኸም ኣምላኽ፡ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ይደልዩ እዮም። (1 ጢሞ. 2:4) እሞኸ ንሓደ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ሓቂ ንኺፈልጥ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧
2 ፈለማ፡ ንነገራት ብዓይኒ እቶም ዘይኣመንቲ መጻምድቲ ኽንርእዮ ኽንጽዕር ኣሎና። ብዙሓት ዘይኣመንቲ መጻምድቲ፡ ንስድራ ቤቶም ዜፍቅሩን ንፉዓት መጻምድትን ወለድን ንምዃን ይጽዕሩ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ካባና እተፈልየ ሃይማኖታዊ እምነት ይህልዎም ይኸውን። ካብቶም ብዛዕባና ብዙሕ ዘይፈልጡ ወይ ካብቶም ዚጸልኡና ፈተውቶም ዚሰምዕዎ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ዚፈልጥዎ ነገር የብሎምን ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ፡ መጻምድቶም ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ምስኦም ዜሕልፎ ዝነበረ ግዜ ነክዩ ንኣምልኾ ኺጥቀመሉ ኸሎ፡ ቅር ይብሎም እዩ። ምስትውዓል፡ ንሓደ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ንኽንሕዞ፡ ምስኡ ኽንከውን ከለና ኸኣ ብዙሕ ከይንርበሽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 16:20-23።
3 ብሕታዊ ተገዳስነት፦ ንሓደ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ሓቂ ንኺፈልጥ ኣብ ፈለማ ኽንሕግዞ እንኽእል፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብምግባር ዘይኰነስ፡ ብተግባርና ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 3:1, 2) ስለዚ፡ ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ጉባኤ ዘለዋ ኣሓት ንዘይኣማኒት ሰበይቲ፡ ኣሕዋት ከኣ ንዘይኣማኒ ሰብኣይ ብሕታዊ ተገዳስነት ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧
4 ነቲ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ረኺብካዮ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ምስቲ ክርስትያን መጻምድቱ ድሕሪ ምምይያጥ ምስኡ ኽትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ፈለማ፡ እቲ ዘይኣማኒ ብዙሕ ዘይግደስ እንተ መሰለ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ምሕዝነትናን ብሕታዊ ተገዳስነትናን ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ኣመለኻኽታ ንኺህልዎ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:20) ገሊኦም ብሱላት ክርስትያናት፡ ምስቲ ዘይኣማኒ ዝያዳ ንኺፋለጡን ነቲ ኺህልዎ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ጽልኢ ንኺበትኩን ኢሎም ንዘይኣማኒ መጻምድቲ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ቤቶም ዓዲሞምዎም እዮም። እቲ ምይይጦም ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ንኪኸውን ኣብ ክንዲ ዜገድዱ፡ ንዕኡ ዜገድሶ ነገራት እዮም ዚመያየጡ። ድሕሪ ግዜ፡ ናጽነት ኪስምዖ ኸሎ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ኪገብሩ ይኽእሉ ይዀኑ። ወይ ከኣ እቲ ዘይኣማኒ ድሮ ኣብ ጉባኤ ንዚርከቡ ገሊኦም ኣሕዋት ስለ ዝፈለጠ፡ ነቲ ሰበይቱ ኣብ ኣኼባታት እንታይ ከም እትመሃር መጺኡ ንኺርኢ ዚቐርበሉ ዕድመ ኪቕበል ይኽእል እዩ። ዋላ እኳ ሓቂ ኺምርምር እንተ ዘይጀመረ፡ ነታ ናይ የሆዋ ምስክር መጻምድቱ ስለ ዚድግፋ ናእዳ ይግብኦ እዩ።
5 ብፍላይ ሽማግለታት፡ ንዘይኣመንቲ መጻምድቲ ምስክርነት ኪህቡሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ኼናድዩ ኣለዎም። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ኪገብር ዘይደሊ ዝነበረ ዘይኣማኒ መጻምድቲ፡ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ወይ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ምስ ኣጋጠሞ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዚወሃቦ ምትብባዕ ኪሰምዕ ይኽእል እዩ። ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ከም ሞት ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ዝኣመሰለ ጸገማት ምስ ዜጋጥም፡ ሽማግለታት ነቲ ዘይኣማኒ ምስ ስድራ ቤቱ ነቲ ዚወሃብ መጸናንዒ ንኺሰምዕ ኪዕድምዎ ይኽእሉ እዮም።
6 ሓደ ኣብ ጉባኤና ዚርከብ ክርስትያን፡ ዘይኣማኒ መጻምድቱ ሓቂ ምስ ዚቕበል ክሳዕ ክንደይ ከም ዚሕጐስ እሞ ሕሰብ! ንዕኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋን ንመላእኽቱን ንዅሎም ኣባላት ጉባኤን እውን የሐጕሶም እዩ። (ሉቃ. 15:7, 10) ይኹን እምበር፡ ሓደ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ኣብ ፈለማ ጽቡቕ ምላሽ ዘይህብ እንተ ዀይኑ እውን፡ እቲ ብቐጻሊ እንገብሮ ጻዕሪ ነቲ “ዅላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ” የሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ምፍላጥና፡ ባህ ኬብለና ይኽእል እዩ።—2 ጴጥ. 3:9።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
1. ንዘይኣመንቲ መጻምድቶም ሓቂ ንኺፈልጡ ኺሕግዙ ዚደልዩ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት ጥራይ ዘይኰኑ ስለምንታይ እዮም፧
2. ንዘይኣማኒ መጻምድቲ ኣብ ምሕጋዝ ምስትውዓል ኪጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
3. ንዘይኣማኒ መጻምድቲ ኽንሕግዘሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ፧
4. ብሕታዊ ተገዳስነትና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
5. ሽማግለታት ንዘይኣመንቲ መጻምድቲ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧
6. ንዘይኣመንቲ መጻምድቲ ኽንሕግዞም ዚድርኸና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሓደ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ሓቂ ንኺፈልጥ ኣብ ፈለማ ኽንሕግዞ እንኽእል፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብምግባር ዘይኰነስ፡ ብተግባርና ኪኸውን ይኽእል እዩ