መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
8 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 17 (187)
15 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። “ጸብጻብ ኣገልግሎት ነሓሰ”ን “ካብ ዓመት ኣገልግሎት 2008 ዚጐልሕ ነጥብታት”ን ኣቕርብ። ጉባኤኹም ኣብቲ ጸብጻብ ዝገበረቶ ኣበርክቶ ጥቐስ። ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ንናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንናይ ሕዳር ንቕሑ! ዚኸውን መእተዊታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ነዘን ሕታማት እዚኣተን ብምዕዳል ኣሳልጦ ንዝረኸቡ ሰማዕቲ፡ ብኸመይ ከም ዘበርከትወን ኬዘንትዉ ዓድሞም። እንታይ ዓንቀጽን ሕቶን ጥቕስን ተጠቒሞም፧
15 ደቒቕ፦ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2009። በቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ዚቐርብ መደረ። ካብ ናይ ጥቅምቲ 2008 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው፡ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ነጥብታት ኣጕልሕ። ግደ እቲ ሓጋዚ መኻሪ ግለጽ። ኣብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ሓሳባት ብምሃብን ካብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ሰሙናዊ ዚወሃብ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ኵላቶም መዝነቶም ኣብ ምፍጻም ትጉሃት ኪዀኑ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ፦ “ንመጽሓፍ ሪዝኒን ትጥቀመላዶ ኣለኻ፧” ሕጡብ ጽሑፍ 4 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ሓደ ፈላሚ ወይ ካልእ ብቕዓት ዘለዎ ኣስፋሒ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ንዚለዓል፡ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧’ ዚብል ሕቶ ብመጽሓፍ ሪዝኒን ገይሩ ብኸመይ መልሲ ኸም ዚህብ ኣሕጽር ኣቢሉ መርኣያ የቕርብ።
መዝሙር 3 (32)
15 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 13 (124)
10 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። “ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ” ኣቕርብ። ዚቕጽል ኣኼባ ወረዳ መዓስ ከም ዚግበር እንተ ተፈሊጡ፡ ሓብሮም።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ኣገልግሎት ምድግጋም ተጠቐም። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 207 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ካብቲ ጽሑፍ፡ ሓደ ወይ ክልተ መርኣያ ኣቕርብ።
25 ደቒቕ፦ “ኣብ ኣፓርታማ ብምምስካር፡ ‘ብእተማልአ መገዲ መስክር።’” ብሓላው ኣገልግሎት ወይ ብኻልእ ሽማግለ ዚቐርብ። ምስቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ዅነታት ኣሰማምዓዮ።
መዝሙር 27 (221)
22 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 25 (204)
10 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዚዕደል ጽሑፍ ጥቐስ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዚዕደል ከኣ ሓደ ሽማግለ ብመርኣያ ከም ዜቕርብ ግበር።
15 ደቒቕ፦ ናይ 1 ታሕሳስ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ታሕሳስ ንቕሑ! ኽትዕድል ተዳሎ። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ፡ ሰማዕቲ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነን ሕተቶም። ብገለ ኻብተን ዓንቀጻት ተጠቒሞም፡ ዝርርብ ንምጅማር ዚጥቀሙላ ሕቶን ነታ መጽሔት ቅድሚ ምብርካቶም ኣብታ ዓንቀጽ እትርከብ ንሰብ ቤት ዜንብቡሎም ጥቕስን ኪገልጹ ዓድሞም። በቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ወይ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ብዚምስጦም ካልእ ኣቀራርባ ጌርካ፡ ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል መርኣያ ብምቕራብ ዛዝም።
20 ደቒቕ፦ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እተመደበት ፍልይቲ መዓልቲ።” እታ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣበየነይቲ መዓልቲ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ከም እተተኵር ሓብር። ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ዚርከብ ሓሳባት ተንትኖ፡ ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባታት ድማ ብመርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 8 (53)
29 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2 (15)
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 114፡ ሕ.ጽ. 15–ገጽ 117 ከምኡውን ሳጹን
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ራእይ 15-22
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 11 (85)
5 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ፦ “ስብከት፡ ምጽማም ይሓትት።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ፡ ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።
መዝሙር 15 (127)
5 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 23 (200)
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 1-5
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 3:1-15
ቍ. 2፦ የሱስ ዓብዪ መምህር ዝዀነሉ ምኽንያት (lr ምዕ. 1)
ቍ. 3፦ ከንቱ ዘይኰነ እንታይ እዩ፧ (1 ቈረ. 15:58)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 21 (191)
10 ደቒቕ፦ ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
25 ደቒቕ፦ ንመንፈሳዊ ድኻም ልቢ ኽትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 9-13 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።
መዝሙር 26 (212)