ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/08 ገጽ 1
  • ስብከት፡ ምጽማም ይሓትት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስብከት፡ ምጽማም ይሓትት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ውድብ የሆዋ ለጊብካ ንበር
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • “ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “ነቲ . . . እተጻወረ ኣስተብህሉሉ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • ምዕጋስ ዓስቢ የምጽእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 12/08 ገጽ 1

ስብከት፡ ምጽማም ይሓትት

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ንልዕሊ 30 ዓመት ከም ወንጌላዊ መጠን ዜዕግብ ዕዮ ዓዪዩ እዩ። ከምቲ ኣብ ካልእ ኣገዳሲ ንጥፈታት ዜጋጥም፡ ኣብ ንጥፈታት ስብከቱ እውን ጸገማት ኣጋጢምዎ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-29) ጳውሎስ ግን ኣይተሓለለን። (2 ቈረ. 4:1) ኣገልግሎቱ እናፈጸመ ንኺጽመም ዜኽእሎ ሓይሊ ኻብ የሆዋ ኸም ዚረክብ ተረዲኡ ነይሩ። (ፊል. 4:13) ብተኣማንነት ብምጽማም ሰናይ ኣብነት ስለ ዝሓደገ ድማ፡ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ኺብል ከኣለ።—1 ቈረ. 11:1

2 ሎሚ ፈተናታት ምጽማም፦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ብዙሓት ኣሕዋትና ብኣባላት ስድራ ቤቶም፡ ብመሳርሕቶም፡ ወይ ብመማህርቶም ኣደዳ ላግጺ፡ ምጽራር፡ ወይ ዘይምግዳስ ይዀኑ እዮም። (ማቴ. 10:35፣ ዮሃ. 15:20) ምናልባት ንዓኻ እውን ከምኡ የጋጥመካ ይህሉ ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ጸገም ጥዕና ይህልወካ ይኸውን፡ ወይ ንእምነትካን ንምጽማምካን ምስ ዜዳኽም ኣቓልቦ ዜስግል ነገራት ወይ ፈተናታት ትቃለስ ትህሉ ትኸውን። ኣብነት እቶም ብድሆታት ኣጋጢምዎም ዝሰገርዎ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልትን ሕጂ ዘለዉ ክርስትያን ብጾትን ብምምርማር፡ ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 5:9

3 “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ንዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ኣብ ኣገልግሎትና ጸኒዕና ንኽንቅጽል ዜኽእለና ሓይሊ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 6:10-13, 15) ንኽንጽመም ኢልና ኽንጽሊ እውን ኣሎና። ፈተናታት ምእንቲ ኽንጽመም፡ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱሱ ይህበና እዩ። (2 ቈረ. 6:4-7) ኣብ መንፈሳዊ ቓልስና ኽንዕወት እንተ ዄንና፡ ነቲ መንፈስና ዜሐድስ ምስክራት ወይ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ከነቕልበሉ ኣሎና። (መዝ. 119:24, 85-88) ከምቲ ሓደ ውሉድ ነታ ኻብ ፈቃር ኣቦኡ እተላእከትሉ ደብዳበ ደጋጊሙ ዜንብባ፡ መዓልታዊ እንገብሮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ማእሰር የደልድሎ። ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ምስ እንገብር፡ ንፈተናና ንኽንዋጽኣሉ ጥበብ ንረክብ፣ በዚ ኸምዚ ሓሳብ ኣምላኽ ንውሳነታትና ንኺጸልዎን ንንጽህናና ንኼደልድሎን ነፍቅደሉ።—ምሳ. 2:10, 11

4 ምጽማም በረኸት የምጽእ፦ ከም ጳውሎስ ኣገልግሎትና እናፈጸምና ብተኣማንነት እንተ ተጸሚምና፡ ንልቢ የሆዋ ነሐጕሶ፡ ንዓናን ንኻልኦትን ድማ በረኸት የምጽኣልና። (ምሳ. 27:11) እምበኣር፡ ኣብ ኣገልግሎትና ንኽንጸንዕ ቈራጽነት ንግበር፡ ብእኡ ኣቢልና ድማ እምነትና ድልድልትን ‘ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝያ እትኸብርን’ ምዃና ነመስክር።—1 ጴጥ. 1:6, 7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ