መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስ.
“መብዛሕትኦም ሰባት ነተን ኣብ ማቴዎስ 6:9 ዘለዋ ቓላት የሱስ ይፈልጥወን እዮም። [ኣንብብ።] ብዙሓት ግን ንኣምላኽ ከም ኣቦ ኪቐርብዎ ዘይከኣል ኰይኑ ይስምዖም። ንኣምላኽ ብኸመይ ክንቀርቦ እንኽእል ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ እተፈላለየ ባህርያት እቲ ሰማያዊ ኣቦናን ብኸመይ ብሓቂ ኽንፈልጦ ኸም እንኽእልን ትገልጽ።”
Awake! Sept.
“ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ብዙሕ ክትዕ ተገይሩ እዩ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ሓሳብ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ እዮብ ገሊጽዎ ዘሎ ሓሳባት እሞ ኣስተብህለሉ። [እዮብ 14:14, 15 ኣንብብ።] እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት እንታይ ከም ዚብል ይገልጻ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስ.
“ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ኣብ ዜድልየሉ እዋን፡ ካበይ ዜተኣማምን ምኽሪ ኽንረክብ እንኽእል ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ምሳሌ 3:5, 6 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ውሳነታት ቅድሚ ምግባርካ ሳዕቤናቱ ኣብ ግምት ምእታው ጥበብ ኣምላኽ ምዃኑ ተጕልሕ።” ኣብ ገጽ 8 ዘላ ዓንቀጽ ኣጕልሕ።
Awake! Sept.
“ኣምላኽ ንሰባት በዚ ሎሚ ንምድሪ ኣብ ሓደጋ ኣእቲዋ ዘሎ ሕጸረት ምግቢ ኺሳቐዩ ዝሓለነዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ነዚ ጕዳይ እዚ ንምፍታሕ ዝዓለሞ ዕላማ እሞ ርአ፧ [መዝሙር 72:16 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ብኸመይ ገነት ከም ዚገብራ ትገልጽ።” ኣብ ገጽ 7 ዘላ ዓንቀጽ ኣርኢ።