መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓም.
“ኵልና ነቲ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚሞተካ ዚስምዓካ ጓሂ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ መዝሙር 55:22 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ንሓዘንና ኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ሓሳባት ትገልጽ።”
Awake! July
“ሰብ ሓዳር ኵሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጸቕጢ እዮም ዚነብሩ፣ ብዙሕ ሓዳር ድማ ብፍትሕ ይፈርስ ኣሎ። ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ፡ ኣብ ሓዳር ዕዉት ንኽትከውን ኣበርክቶ ዚገብርዶ ይመስለካ፧ [ምሳሌ 12:18 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንሰብ ሓዳር ማእሰር መርዓኦም ኬደልድሉ ዚሕግዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ካልእ ስርዓታት ትመያየጥ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓም.
“ሰባት ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪህልዎም ዚከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ግብሪ ሃዋርያት 17:27 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣምላኽ ክንቀርቦ ኸም ዚደልየና ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ምኽንያታት ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
Awake! July
“መብዛሕትኡ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ መዘናግዒታት፡ ሰባት ኣብ ስሒር ብዙሕ ይግደሱ ኸም ዘለዉ የርኢ። ስሒር ምዝውታር ጕድኣት ዘይብሉ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ዘዳግም 18:10-12 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ዜስዕቦ ጕድኣት እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።