ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/08 ገጽ 1
  • ንኻልኦት እነካፍሎ ኽቡር መዝገብ ኣሎና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኻልኦት እነካፍሎ ኽቡር መዝገብ ኣሎና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብኡ ተሰዊሩ” ዘሎ መዝገብ ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ልብኻ ኣብ መንፈሳዊ መዛግብቲ ግበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ነቲ ዘይርአ መዛግብቲ ኣማስወሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ኣብቲ ብምሃብ ዝርከብ ሓጐስ ተኻፈል!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 11/08 ገጽ 1

ንኻልኦት እነካፍሎ ኽቡር መዝገብ ኣሎና

1 ቃል ኣምላኽ በቲ ኣኽቢርና እንርእዮ መንፈሳዊ መዝገብ ዝመልአ እዩ። (መዝ. 12:6፣ 119:11, 14) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንእተፈላለየ መዳያት መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ምሳሌታት ድሕሪ ምጥቃሙ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ብኣወንታ ምስ መለሱሉ፡ “ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዅሉ ጸሓፊ [“መምህር ሕጊ፡” ትርጕም 1990] ኻብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል” በሎም።—ማቴ. 13:1-52

2 መጽናዕቲ ምስ ጀመርና እተመሃርናዮ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ብሉይ መዝገብ ጌርካ ኺርአ ይኽእል እዩ። ዝያዳ መዓሙቝ ቃል ኣምላኽ ንምፍላጥ ብብሕትና ቐጻሊ መጽናዕቲ ምስ ገበርና፡ ካልእ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንረክብ ኢና፣ እዚ ኸኣ ንዓና ኸም ሓድሽ መዝገብ እዩ። (1 ቈረ. 2:7) ብተወሳኺ፡ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢልና፡ ሓድሽ መዝገብ እውን ንረክብ ኢና።—ማቴ. 24:45

3 ነዚ ብሉይን ሓድሽን መንፈሳዊ መዝገብ ክብ ኣቢልና ኢና እንርእዮ። እዚ ድማ ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ስልጠና ንኽንረክብን ተመክሮ ንኸነጥርን ይድርኸና፡ ነቲ እተመሃርናዮ ኽቡር ሓቅታት ከኣ ንኻልኦት ነካፍሎም።

4 ካብ ኣብነት የሱስ ተምሃር፦ የሱስ ነዚ መዝገብ እዚ ንኻልኦት ንምክፋል ብዙሕ ጻዕሪ ብምግባር፡ ብዛዕባኡ ኸመይ ከም ዚስምዖ ኣርኣየ። ደኺሙ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ “መዝገቡ” ኽቡር ነገራት ምውጻእ ኣየቋረጸን።—ዮሃ. 4:6-14

5 የሱስ ነቶም ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት ዝነበሩ ሰባት ዝነበረቶ ፍቕሪ፡ ነቲ ህይወት ዚህብ መዝገብ ሓቅታት ኣምላኽ ንኼካፍሎም ደረኸቶ። (መዝ. 72:13) ነቶም መንፈሳዊ ጥሜት ዘለዎም ደንገጸሎም፡ “ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።”—ማር. 6:34

6 ንየሱስ ምሰሎ፦ ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ንመዝገብና ኣኽቢርና ምስ እንርእዮ፡ ንሰባት ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ኣዕናቝ ንኸነርእዮም ንህንጠ ኢና። (ምሳ. 2:1-5) ሓድሓደ ግዜ ድኻም ዚስምዓና እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ግን ካብ ልብና ብዝመንጨወ ውዕዉዕ ስምዒት ኢና እንዛረብ። (ማር. 6:34) ንመዝገብና ዘሎና ኣድንቖት፡ ኣብ ኣገልግሎት ዚከኣለና ንኽንገብር ይድርኸና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ