ከይብኰርካ ስበኽ
1 ሓድሓደ ግዜ ኽልና ብተደጋጋምን ምሉእ ብምሉእን ተዓይዩ ኼብቅዕ ብዙሕ ምላሽ ዘይርከቦ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ከየብኰርና ክንሰብኽ ዚድርኸና ምኽንያታት ኣሎ።—ማቴ. 28:19, 20
2 ንምስክር:- የሱስ እቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ ምልክት “መወዳእታ ዓለም” ምዃኑን “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ከም ዚስበኽን ተነበየ። (ማቴ. 24:3, 14) ሰባት ወንጌል መንግስቲ ኽንሰብኽ ኪርእዩና ኸለዉ ንባዕሉ ሓያል ምስክርነት እዩ። ገለ ሰባት ዋላ እኳ ነቲ መልእኽቲ እንተ ዘይተቐበልዎ: ካብቲ ቦታ ምስ ኣግለስና ግን ብዛዕባ ምብጻሕና ንሰዓታት ወይ ንመዓልትታት ኪዛረቡ ይኽእሉ እዮም። እነገልገለሉ ምኽንያት ምፍላጥ: ክንጸንዕ ይሕግዘና። ምስክርነት ብምሃብን ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብምንጋርን ኣብ መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እንካፈል ንየሆዋ ነሐጕሶ ኢና።—2 ተሰ. 1:6-9
3 ጽንዓት የድሊ:- ንሰባት ኣቓልቦኦም ዚሰርቕን ግዜኦም ዚወስድን ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ ተገዳስነቶም ከነማዕብል ክንጽዕር ከለና ጽንዓት ይሓትት። ሓንቲ ሰበይቲ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ዀይና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዛኣ ኺኣትዉ ቕድሚ ምዕዳማ: ንሓደ ዓመት ዚኣክል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን በጽሕዋ። ነቲ ዝሰምዓቶ ኣዝያ ስለ ዝፈተወቶ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓላ ተሰማምዐት: ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት: ክትጥመቕ ከም እትደሊ እውን ገለጸት።
4 ኣረኣእያ ሰባት ልክዕ ከም ኵነታት ዓለም ብቕልጡፍ ይቀያየር ኣሎ። ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ ዚነጽጉና ዝነበሩ: ሕጂ ግን ነቲ እነካፍሎም ዜሐጕስ ተስፋ ሓንጐፋይ ኢሎም ይቕበልዎ ይዀኑ። ሓደ ሰብ እውን ይኹን ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ እንተ ተቐቢልዎ: ጽንዓትና ጻማ ይረክብ።
5 ኣብ መላእ ዓለም: “ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙን” ሓያሎ ሰባት ኣለዉ። (ህዝ. 9:4) ቍጽሪ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ: እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምላሽ ይህቡሉ ኸም ዘለዉ የረጋግጽ። (ኢሳ. 2:2, 3) ስለዚ: ብፍቕሪ ተደሪኽና ‘ሰናይ ንኸነበስር’ ጽኑዓት ብምዃን ከየብኰርና ንስበኽ።—ኢሳ. 52:7፣ ግብ. 5:42