መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያ.
“እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም ከሎ ኽትርኢ ኣይምደለኻንዶ፧ [ኢሳይያስ 2:4 ኣንብብ። ድሕሪኡ: መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ኣብ ጕዳይ ደቂ ሰብ ኢዱ ኼእቱን: ‘ኪዳንዮምን’ እዩ። ኣምላኽ: ኣርማጌዶን ዚበሃል ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ኪዋጋእ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር። እዛ መጽሔት እዚኣ: ኣርማጌዶን እንታይ ምዃኑን ስለምንታይ ብሃንቀውታ ኽንጽበዮ ኸም ዘሎናን ትገልጽ።”
Awake! Apr.
“ኣብቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ እዋን ንነብር ዘለና ዀይኑዶ ይስመዓካ፧ [2 ጢሞቴዎስ 3:1-4 ኣንብብ። ድሕሪኡ: መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣጸቢቕና ንኽንግደስ እኹል ምኽንያት ኣሎና: ከመይሲ ምምጻእ እዘን መዓልትታት እዚአን ንምድሪ ጽቡቕ ነገር ተዓቚሩላ ኸም ዘሎ ዚሕብር እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ: ነዚ ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያ.
“ባህርያዊ ሃብቲ ምድሪ: ብዘይ ንሕስያ ብምጕሕጕሑ: ምድሪ ኸምዚ ኢላ ትቕጽልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዜጸናንዕ መብጽዓ እዚ እሞ ኣስተብህለሉ። [መዝሙር 104:5 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ምድሪ: እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
Awake! Apr.
“ብዙሓት ሰባት ብስራሕ ትሑዛት ብምዃኖም ንኣምላኽ ንምምላኽ ዚኸውን ግዜ ኺምድቡ የጸግሞም። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ጸገም የጋጥመካዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ: ኤፌሶን 5:15-17 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ኣምላኽ ክንደይ ዚኣክል ግዜን ጕልበትን ክንውፍየሉ ትጽቢት ከም ዚገብረልና ዚገልጽ ርትዓዊ መግለጺ ትህብ።” ነታ ኣብ ገጽ 20 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።