ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/08 ገጽ 1
  • ስድራ ቤትካ ንድሕነት ትዳሎዶ ኣላ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስድራ ቤትካ ንድሕነት ትዳሎዶ ኣላ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ኖህ ብእምነቱ ንዓለም ኰነና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንድሕነት ድሉው ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 6/08 ገጽ 1

ስድራ ቤትካ ንድሕነት ትዳሎዶ ኣላ፧

1 እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ: መወዳእታ እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ብናህሪ እናቐረበ ይመጽእ ከም ዘሎ ዜእምን መርትዖ ይህብ። ሎሚ ምስቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ዅነታት ኣጸቢቑ ኣብ ዚመሳሰል ጽንኵር እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (ማቴ. 24:37-39) ኖህ “ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ:” ካብ ጥፍኣት እታ ጥንታዊት ዓለም ድማ ደሓነ። (ዘፍ. 6:9) ኖህ: ንስድራ ቤቱ መገድታት የሆዋ ምሂርዎም ኪኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ንሳቶም እውን ድሒኖም እዮም። ንኖህ ክንመስሎን ብስድራ ቤት ደረጃ ድማ ካብ ጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት ንምድሓን ክንዳሎን እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧

2 ሰባኽ ጽድቂ:- ኖህ ንኣስታት 40 ወይ 50 ዓመት ዚኸውን “ሰባኽ ጽድቂ” ዀይኑ ቐጸለ። (2 ጴጥ. 2:5) ጐረባብቱ: ብጽልዋ እቶም ስጋ ዝለበሱ ዓለወኛታት መላእኽቲ ወይውን ብኻልእ: ንስብከቱ ኣላጊጾምሉ ኪዀኑ ኣለዎም። ንሕና እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣገልግሎትና ዘይምግዳስ ወይ ላግጺ ይወርደና እዩ፣ እዚ ድማ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ኸም ዝቐረበ የርኢ። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ይኹን እምበር: ከምቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ዘይኰነስ: ሎሚ ብዙሓት ናብ ኣምልኾ የሆዋ ‘ብምውሓዝ’ ንጻዕርታትና ምላሽ ይህቡሉ ኣለዉ። (ኢሳ. 2:2) ከምዚ ምግባር እንተ ቐጺልና ጥራይ ኢና ‘ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን’ ከነድሕን እንኽእል። (1 ጢሞ. 4:16) ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ህጹጽነት እቲ ዕዮ ስብከት ብቓልን ብኣብነትን ኪምህርዎም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!—2 ጢሞ. 4:2

3 ኖህ “ከምኡ ገበረ”:- ድሕነት ኖህን ስድራ ቤቱን ንመምርሒታት የሆዋ ተጠንቂቕካ ኣብ ምስዓብ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 6:22) ንሕና እውን ሎሚ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስን ካብቲ እሙን ባርያን ዚወሃበና መምርሒ ‘እንሰምዕ’ ክንከውን ኣገዳሲ እዩ። (ያእ. 3:17) ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ዚርከቡ እኹላት ውሉዳት: ኣቦኦም ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ እተዋህቦም መምርሒታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ኸም ዝነበረ ይዝክሩ። ንኣብነት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን መጽናዕቲ ስድራ ቤት ይመርሕን ከምቲ ትእዛዝ ድማ ንስድራ ቤቱ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ ኣገልግሎት ይወስዳን ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ነቶም ውሉዳቱ ናብ ኣገልግሎት በብግደ ኺማልኦም ይጽዕር ነበረ። እቲ ‘ኸምኡ ንምግባር’ ዘርኣዮ ተወፋይነት ኣብ ውሉዳቱ ዓሚቝ ጦብላሕታ ገደፈ፣ ኵሎም ሽዱሽተ ደቁ ድማ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም ዓበዩ።

4 ጥፍኣት እዚ ስርዓት እዚ ብሃንደበት ኪመጽእ እዩ። (ሉቃ. 12:40) ንሕናን ስድራ ቤትናን ከም ኖህ እምነት ብምርኣይ: ንድሕነት ድሉዋት ክንከውን ንኽእል ኢና!—እብ. 11:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ